ቀጠር ኣስታት ሓደ ሽሕ ኣጋር ሰራዊት ናብ የመን ልኢኻ

ቀጠር ኣስታት ሓደ ሽሕ ኣጋር ሰራዊት ናብ የመን ልኢኻ

Radio Erena: 08 September 2015

qatari army

ቀጠር ነቲ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ወትሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ብስዑዲ ዓረብ ዝተመርሐ ልፍንታዊ ወትሃደራዊ ሓይሊ ካብ ዝድግፋ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እኳ እንተኾነት፣ ኣጋር ሰራዊት ናብ የመን ክትልእኽ ግና ንፈለማ እዋና’ዩ።

እቲ ናብ የመን ወፊሩ ዘሎ ሰራዊት ቀጠር ብ200 ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ከምኡ ድማ 30 ኣፓቺ ዝዓይነተን ሄሊኮፕተራት ኵናትን ዝተሰነ’የ’ዩ።

ሓይሊ ኣየር ቀጠር ኣብ ወትሃደራዊ ወፍሪ የመን ክሳተፍ ከምዝጸንሐ’ውን ይጥቐስ።

 

ኣቐዲመን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕሬይንን ብታንክታትን ድሩዓትን ዝተሰነየ ኣማኢት ሰራዊት ናብ የመን ከምዝልኣኻ ይፍለጥ።

ኣብዚ ናይ የመን ወትሃደራዊ ምትእትታው ኤርትራን ሱዳንን’ውን እጃመን ኣብ ምብርካት ከምዝርከባ ሓያሎ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይገልጹ እኳ እንተለዉ፣ ካብዘን ሃገራት ዝወጸ ወግዓዊ ሓበሬታ ግና የለን።

ኤርትራ፣ ምስ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ብምርድዳእ ብመንገዲ ወደብ ዓሰብ ሎጂስቲክስን ኣባላት ሰራዊትን ክዋፈር ከምዝፈቐደት’ውን ብተደጋጋሚ እዋን ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ናብ የመን ዝተዋፈረ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊት ቀጠር ኣብ ዶብ ስዑዲ ዓረብን የመንን ዓሪዱ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና የረድኡ።

ሓያሎ ኣባላት ካቢንንነ ሚኒስተራት የመን’ውን ካብ ስዑዲ ዓረብ ብመንገዲ ዓሰብ ኣቢሎም ናብ ዓደን ከምዝተመልሱ ኣይርሳዕን።

ሱዳን’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ጉዳይ የመን ኣበርክቶ ትገብር ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ዓረብ ይጠቕሳ።

ኣብ ስደት ኣብ ሪያድ ዝርከብ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱ ሓዲ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሱዳን ዑደት ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ልበሽር ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ሱዳን ንእትግበሮ ዘላ ደገፍ ኣመስጊኑ’ዩ።

ከተማታት ሖዴይዳን ሰንዓን ከምኡ’ውን ካልኦት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ስትራቴጅያዊ ከባቢታት የመን ካብ ሑቲ ንምምንዛዕ ኣብ ዝግብር ዘሎ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት፣ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ እቲ ዝሓሸ ወትሃደራዊ ኣማራጺ ምዃኑ ወትሃደራውያን ተንተንቲ ይሰማምዕሉ።

==========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0