ቀጠር ንናይ ትራንዚት ገያሾ ናጻ ቪዛ ትፈቅድ

Radio Erena: 29 September 2016

Qata

ብመንገዲ ኣየር ቀጠር ናብ ካልኦት ሃገራት ዝጎዓዙ ገያሹ፣ ቅድሚ ናብ ካልእ ሃገር ምብጋሶም ኣብ ኣዶሓ ንልዕሊ 5 ሰዓታት ዝጽበዩ እንተኾይኖም፣ ኣብታ ሃገር ዑደት ንምክያድ ናጻ ቪዛ ክወሃቦም ከምዝኽእል እታ ሃገር ገሊጻ።

ሚኒስትሪ ቱሪዝም ቀጠር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ብዘይኣፋላላይ ዜግነት ንኹሉ ገያሻይ ብማዕረ ብናጻ ዝፍቐድ ቪዛ፣ ንኣርባዕተ መዓልታት ዘጽንሕ ኮይኑ፣ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሓማድ’ዩ ክወሃብ።

ነዚ ቪዛ ዝፍቐደሎም ገያሹ፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምሕላፍ ንቀጠር ከም መሰጋገሪ ወይ ትራንዚት ንዝጥቐሙላ ጥራይ’ዩ።

እዚ ቀጠር ወሲዳቶ ዘላ ስጉምቲ፣ ብመንገዲ ኣየር ቀጠር ዝመጹ ገያሹ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቀጠር ካብ 5 ሰዓታት ንላዕሊ ክጸንሑ እንተኮይኖም፣ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ቀንፈዘው ካብ ምብላ ከድሕኖ’ዩ።

ብዘይካ’ዚውን እቲ ስጉምቲ ንቱሪዝም ከተባብዕ ትጽቢት ይግበረሉ።

መንገዲ ኣየር ቀጠር ኤርትራ ናብ እትርከበን ልዕሊ 150 ሃገራት ዓለም የራኽብ።

ዋንጫ ዓለም 2022 ንምእንጋድ ምድላዋት እትካይድ ዘላ ቀጠር፣ ኣብ ኣህጉራዊ ምስላ ንምቕያር ሓያሎ ወፍሪ’ያ ኣብ ምክያድ ትርከብ።
========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0