ቀጠር ናብ ሱዳን 500 ኣውቶቡሳት ክትልእኽ’ያ

ቀጠር ናብ ሱዳን 500 ኣውቶቡሳት ክትልእኽ’ያ

Radio Erena: 12 Januray 2018

bus

ቀጠር፣ 500 ኣውቶቡሳት ናብ ሱዳን ክትልእኽ ምዃና ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኩባንያ ምዋሳላት ናይ ቀጠር ነተን ኣብ ኣገልግሎታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝዋፈራ ኣውቶቡሳት ናብ ሱዳን ክልእኽ ዝወሰነ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ’ዩ።

እተን ህዝባዊ መጓዓዝያ ሱዳን ንምምሕያሽ ብቀጠር ዝተለገሳ ኣማኢት ኣውቶቡሳት ብገንዘብ ክንደይ ከምዝበጽሓ ኣይተተመነን።

ይኹን’ምበር እቲ ሓገዝ ኣካል እቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንእትርከብ ወደባዊት ከተማ ስዋኪን ዳግም ንምብርባራ ብቀጠርን ቱርኪን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተበግሶ ምዃኑ ይግለጽ።

ቀጠር ኣብ ሱዳን ናጻ ናይ ንግዲ ማእከል ንምኽፋትን ወደብ ስዋኪን ማእከል ናይ ካርጎ ምጽዓንን ምርጋፍን ንምግባሩን ትሰርሕ ከምዘላ’ዩ ዝፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0