“ቀጠር ምስ ኢትዮጵያ ስትራቴጅያዊ ዝምድና ምምስራታ ኣብ ቅኑዕ መኣዝን’ያ ዘላ፣” ኣሚር ቀጠር

Radio Erena: 12 April 2017

Qatar Ethiopia

ቀጠር ምስ ኢትዮጵያ ስትራቴጅያዊ ዝምድና ምምስራታ ኣብ ቅኑዕ መኣዝን’ያ ዘላ ክብል ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒ ገሊጹ።

ኣሚር ቀጠር፣ ነዚ ዝገለጸ ብሰኑይ 10 ሚያዝያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምርኻቡ’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ኣበርክቶ ቀጠር ኣብ ምፍታሕ ግጭታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ዳርፉር ንዝተጻወተቶ ተራ ድሕሪ ምምስጋን፣ ኢትዮጵያ ምስ ቀጠር ዝምድንኣ ከተዕሙቕ ከምእትደሊ ኣረጋጊጹ።

ብጉዳይ ተቓወምቲ ኦጋዴንን ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ዝሃቦ ሸፈነን ከምኡ ድማ ኣተኩሮ ቀጠር ናብ ኤርትራ ዛዝዩ ብዝብልን ዝምድና ኢትዮጵያን ቀጠርን ኣብ 2008 ደስኪሉ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ዝምድና ኣብ 2012 ናብ ንቡር ድሕሪ ምምላሱ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ እንከሎ፣ ሎሚ ድማ ኣሚር ቀጠር ኣብታ ሃገር ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልታኒ ኣብ 2013 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ናብ ኣፍቃዊት ሃገር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክፍጽም እዚ ናይ ኢትዮጵያ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

እቲ ኣሚር ናብ ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን’ውን ክበጽሕ’ዩ።

ኣብ ታሕሳስ 2015፣ ብጉዳይ ጅቡቲ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምዝርራብ ሸኽ ታሚም ናብ ኤርትራ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዘይወግዓዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣይርሳዕን።

መስርሕ ሰላም ዳርፉር መኸተምታ ኣብ ዝተገብረሉ ዝሓለፈ ዓመት’ውን እቲ ኣሚር ኣብ ዳርፉር ዘይወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዱ ኔሩ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0