ቀጠር፣ ኣብ ሶማል ጽርግያ ንምጽጋን 200 ሚልዮን ዶላር ትምውል

ቀጠር፣ ኣብ ሶማል ጽርግያ ንምጽጋን 200 ሚልዮን ዶላር ትምውል

Radio Erena: 21 February 2019

ቀጠር ኣብ ሶማል ዝርከቡ ስትራቴጅያውያን ጽርግያታት ንምጽጋን ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ከምዝመወለት ተገሊጹ።

ንከተማ ሞቛድሾ ናብ ክልተ ዓበይቲ ዞባታት እታ ሃገር ዘራኽብ ጽርግያታት ንምጽጋን፣ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ 2017 ተበጺሑ እኳ እንተነበረ፣ ናብ ትግባረ ከይተሰጋገረ’ዩ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ሶማል፣ ነዚ ቀጠር ወሲዳቶ ዘሎ ናይ ምትሕግጋዝ ስጉምቲ ዘለዎ ምስግና ገሊጹ።

እቲ ስትራቴጅያውያን ጽርግያታት ሶማል ናይ ምጽጋንን ብቕጥራን ናይ ምልባጥን ፕሮጀክት፣ ንናይ ቱርኪ ኩባንያታት ተዋሂቡ ከምዘሎ ምንጭታት ዜና ወሽመጥ የመልክታ።

ቀጠር፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበራ ጸላዊ ተራ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ምስ ስዑዲ ዓረብ ምስሕሓባ ክዝሕትል’ዩ ዝብል ትንታነታት እኳ እንተነበረ፣ ብዘይካ ኣብ ኤርትራን ጅቡቲን ኣብ ካልኦት ሃገራት ግና ከም ቀደማ’ያ ትዋሳእ ዘላ።

ብፍላይ ኣብ ሱዳን ምስ ቱርኪ ብምዃን፣ ንወደብ ስዋኪን ምሕዳስ ዝርከቦ ወትሃደራዊን ሲቪላውን ናይ ምትሕግጋዝ ፕሮጀክታት ኣብ ምስልሳል ትርከብ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0