ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ብሩንዲን ጅቡቲን  ምብጻሕ ኣካይዱ

ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ብሩንዲን ጅቡቲን ምብጻሕ ኣካይዱ

 Radio Erena: 21 February 2019

ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ጅቡቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ኣካይዱ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ትማሊ ሮቡዕ 20 ለካቲት ምስ ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሶማልን ብምትኳር ተመያይጦም።

ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቝፈ ሰራዊት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝስሕበሉ ኩነታት ኣልዒሎም።

ጅቡቲ፣ ኣብ ትሕቲ ዕቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቖፈ 2 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ትርከብ።

ፕረዚደንት ሶማል ቅድሚ’ዚ ናይ ጅቡቲ ዑደቱ ናብ ብሩንዲ’ውን ተመሳሳሊ ምብጻሕ ኣካይዱ’ዩ።

ብሩንዲ ብወገና ኣብ ሶማል ዝርከብ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊታ ክትስሕብ ‘ያ።

ናይ መጀመርያ ምስሓብ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ሶማል፣ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክትግበር ትጽቢት ኣሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0