ቀጠር፣  ኣብ ሱዳን፣ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ወደብ ክትሃንጽ’ያ

ቀጠር፣ ኣብ ሱዳን፣ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ወደብ ክትሃንጽ’ያ

Radio Erena: 17 November 2017

Qatar Sudan

ንግስነት ቀጠር፣ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ወደብ ኣብ ሱዳን ክትሃንጽ ምዃና ተሓቢሩ።

ሚኒስተር መጓዓዝያ ሱዳን ዋማኪ ዓዋድ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ቀጠር ኣብ ሱዳን ዝዓበየ ወደብ ንምህናጽ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ኣረጋጊጹ።

ብመሰረት መግለጺ እቲ ሚኒስተር፣ በዚ ሓድሽ ተኸቲሙ ዘሎ ስምምዕ፣ ወደብ ፖርት ሱዳን፣ ንውሽጢ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ዞባዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእሎ ዓቕሚ ክውንን’ዩ።

ቀጠር ኣብ ሱዳን ወደብ ንምህናጽ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ዝግለጽ ዘሎ፣ ሚኒስተር ፋይናንስ ዓሊ ሸሪፍ ኣል ዔማዲ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ንግስነት ቀጠር ካብ 12 ሕዳር ኣትሒዙ ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ሓደ ሰሙን ዑደት’ዩ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ካልኦት ሰበ ስልጣን ሱዳንን ብምርኻብ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቁጠባዊ ምትሕግጋዛት ስምምዕ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

ቀጠር ኣብ ሱዳን ናይ 3.8 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0