ቀጠር፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ተጓሒፋ ዝተረኽበት ናጽላ፣ ወላዲታ ንምንዳይ፣ 10ታት ገያሾ ደቂንስትዮ ብግዴታ ኣፍ ርሕመን ከምዝፍተሽ ተጌሩ

Radio Erena: 02 November 2020

ኣብ ቀጠር፣ ከተማ ዶሓ፣ ኣብ ዝርከብ ሓማድ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ተደርብያ ዝጸንሐት ናጽላ፣ ወላዲታ ንምንዳይ፣ ሰራሕተኛታት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝተጠቕምሉ ኣገባብ ዘይሕጋዊ ምንባሩ ተገሊጹ።

ኣብ ጎማ ዝተዓሸገት ናጽላ፣ ኣብ 2 ጥቅምቲ፣ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ እንዳጎሓፍ ተደርብያ ድሕሪ ምጽንሓ፣ ወላዲታ ንምንዳይ፣ ኣብ 10 ነፈርቲ ንዝተሳፈራ ደቂንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ መርመራ፣ ብግዴታ ኣፍ ርሕመን ክፍተሽ’ዩ ተጌሩ።

ብውሕዱ 18 ዜጋታት ኣውስትራልያን 2 ብሪጣንያውያን ዝርከብአን ደቂንስትዮ፣ ብዛዕባ’ቲ ብግዴታ ሕፍረተን ብምቕላዕ ተኻይዱ ዝተባህለ ናይ ርሕሚ መርመራ፣ ክሲ መስሪተን ኣለዋ።

እቲ ጉዳይ ኣህጉራዊ ቆላሕታ ረኺቡ፣ ብተጠባቕቲ መሰል ደቂንስትዮን መንግስታትን ክዝረበሉ ድሕሪ ምጅማሩ፣ መንግስቲ ቀጠር እቲ ናይ መርመራ መስርሕ፣ ኣነዋሪ ምንባሩ ብምእማን ይቕሬታ ሓቲቱ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቀጠር፣ ሸኽ ካልድ ቢን ከሊፋ ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ታኒ ብወገኑ፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ዝሕተቱ ኣካላት እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ፣ ማሪስ ፓየን፣ ነቲ መንግስቲ ቐጠር ዘቕረቦ ይቕሬታ ብእወታ ከምዝተቐበለቶ ገሊጻ።

እቲ ተግባር፣ ነታ ናጽላ ንምቕታልን ምጉሓፍን ዝዓለመ’ዩ ምንባሩ ዝሓበረ መንግስቲ ቀጠር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሕክምና ተዓቝባ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዘላ ጠቒሱ።

ሓማድ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ፣ ሓደ ካብቲ ብዝሒ ተጎዓዝቲ ዘገልግል ዘመናዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዓለምና ኮይኑ፣ ብኣገልግሎቱ ናእዳ ዘትረፈ’ዩ።

ድሕሪ’ዚ፣ ሓዳስ ሓራስ ንምንዳይ ኣብ 10ታት ደቂንስትዮ ዝተኻየደ ኣነዋሪ መርመራ ግና ብብዙሓት ይንቐፍ ኣሎ።

===========

COMMENTS

WORDPRESS: 0