ምስ ብዝሒ ህዝበን ብምንጽጻር፣ ዝበዝሐ ስደተኛታት ዘፍርያን ዘአንግዳን ሃገራት ትፈልጡወን ዶ?

Radio Erena: 02 November 2020

ምስ ብዝሒ ህዝበን ብምንጽጻር፣ ዝበዝሑ ዜጋታትን ናብ ስደት ካብ ዝውሕዙ ዘለዉ ሃገራት፣ ኤርትራ ምስ ቀዳሞት 10 ምዃና ንዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት ተደጋጊሙ ዝተገልጸ ኣርእስቲ’ዩ።

ብኣንጻር እዚ ምስ ብዝሒ ህዝበን ብምንጽጻር፣ ዝበዝሐ ስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት ከ መን መን ይኾና?

ቤት ምኽሪ ስደተኛታት ነርወይ፣ ካብ 2010 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበር ዓመታት ብምውካስ ብዘቕረቦ መጽናዕቲ ጽሑፍ መሰረት፣ ምስ ብዝሒ ህዝባ ተነጻጺሩ ዝበዝሑ ስደተኛታት ብምእንጋድ፣ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘለ ሃገር ሊባኖስ’ያ።

ኣስታት 6 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ሊባኖስ፣ መብዛሕቶም ዜጋታት ሶርያ ዝኾኑ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ስደተኛታት ኣዕቝባ ኣላ። እዚ ድማ ብዝሒ ስደተኛታት 21.8% ናይ ብዝሒ ህዝባ ይሽፍን።

ልዕሊ 2.3 ሚልዮን ሰባት ብምዕቋባ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ እትርከብ ዮርዳኖስ ብወገና፣ ብዝሒ ስደተኛታት 10.7% ይበጽሕ።

ብኣሃዝ እታ ዝበዝሐ ቁጽሪ ስደተኛታት ዘዕቆበት ሃገር ቱርኪ’ያ። 4.3 ሚልዮን ይበጽሕ። እንተኾነ ምስ ብዝሒ ህዝባ ክነጻጸር እንከሎ 5.1% ጥራይ ብምዃኑ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ።

ላይበርያ፣ ናውሩ፣ ኡጋንዳ፣ ማልታ፣ ጂቡቲ፣ ሽወደንን ሱዳንን ድማ ካብ ራብዓይ ክሳብ 10 ደረጃታት ሒዘን ይርከባ።

ከም ጀርመን፣ ኢትዮጵያን ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት’ውን ብብዝሒ ስደተኛታት ኣዕቝበን እኳ እንተለዋ፣ ምስ ብዝሒ ህዝበን ክወዳደር እንከሎ ግና፣ ምስ ቀዳሞት 10 ክስርዓ ኣይከኣላን።

ንኣብነት፣ ሓደ ሚልዮን ዘይምልእ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጂቡቲ፣ መብዛሕቶም ካብ ሶማል ንዝመጹ ኣስታት 27 ሽሕ ስደተኛታት ዑቕባ ብምሃባ፣ ነዘን ዓበይቲ ሃገራት ቀዲማ፣ ኣብ ሻሙናይ ደረጃ’ያ ትርከብ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0