ቀጠርን ጂቡቲን፣ ኣብ መዳይ ትምህርቲ ክተሓጋገዛ ኣብ ስምምዕ በጺሐን

Radio Erena:10 June 2021

ቀጠር፣ ኣብ ጂቡቲ፣ ኣብ ምስፋሕ ትምህርቲ ዝዓለመ ዝተፈላለየ ፕሮጀክታት ንምምዋል ምስ መንግስቲ ጁቡቲ መዘክር ምኽታማ ተሓቢሩ።

እቲ ‘ትምህርቲ ንኹሉ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብባንክ ዓለም ዝተዳለወ ፕሮጀክት፣ ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ንዝርከቡ ኣስታት 35 ሽሕ ቆልዑ ናብ ትምህርቲ ንምምላሶም ዝዓለመ ኮይኑ፣ ቀጠር ክትምውሎ ኣብ ዝብል’ዩ ኣብ መንጎ መንግስታት ቀጠርን ጂቡቲን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

ነቲ መዘክር፣ ዳይረክተር ምወላ ቀጠር፣ ከሊፋ ቢን ጃሲም ኣል ኣልኩዋሪን ሚኒስተር ትምህርቲ ጂቡቲ፣ ሙስጠፋ መሓመድ ማሕሙድን ‘ዮም ከቲሞሞ።

ቀጠርን ጂቡቲን፣ ዝነበረን ዝምድና ኣብ 2017 ካብ ዝዝሕትል ንደሓር፣ እታ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ እትርከብ ሃገር፣ ኣብ ጂቡቲ ከምዚ ዓይነት ፕሮጀክት ክትምውል እዚ ናይ ፈለማ እዩ።

እዘን ክልተ ሃገራት፣ ኣብ ናይ ልምዓት መደባት ክተሓጋገዛ መዘክር ምኽታመን፣ ሓደ ምልክት ናይቲ ተበቲኹ ዝጸንሐ ዲፕሎማሲአን ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ተበግሶታት ምዃኑ ተገሊጹ።

ኣቐዲማ ቀጠር፣ ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ ኣብ ምርጫ ተዓዊቱ፣ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፣ ብሚኒስተር ዴታ ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ብምስዳድ፣ ኣብቲ ጽንብል ተሳቲፋ’ያ።

ኣብ 2017፣ ኣብ መንጎ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ድሕሪ ዝተፈጥረ ምክፍፋል፣ ጂቡቲ ጸግዒ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብምሓዝ ዝምድናኣ ምስ ቀጠር ኣዛሕቲላ’ያ ጸኒሓ።

ቀጠር ድማ ከም ግብረ መልሲ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ጂቡቲን ተመሳሳሊ መርገጺ ዝሓዘት ኤርትራን፣ ንልዕሊ 8 ዓመታት ዘካየደቶ ናይ ሽምግልና መስርሕ ከምዘቛረጸቶ ኣፍሊጣ።

ካብ 2008 ኣትሒዙ ዝተወልዐ ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ጂቡቲን፣ ድሕሪ’ቲ ብቀጠር ዝተጀመረ መስርሕ ሽምግልናን ዕርቅን ኣብ 2017 ምቁራጹ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ሓዲግ ይርከብ።

ስዑዲ ዓረብን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን፣ ንፕረዚደትታት ኤርትራን ጂቡቲን ንምቅርራብ ዝወሰድዎ ተበግሶ ድማ ክዕወት ኣይከኣለን።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0