ቀጠርን ሱዳንን ኣብ ወትሃደራዊ ስምምዕ

ቀጠርን ሱዳንን ኣብ ወትሃደራዊ ስምምዕ

Radio Erena: 04 November, 2014

Su qa

ሱዳንን ቀጠርን ኣብ ወትህደራዊ መዳይ ክተሓጋገዛ ተሰማሚዐን።

ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ዓብደልራሒም ሑሰን ምስ ቀጠራዊ መዘንኡ ሓማድ ቢን ዓሊ ኣል ዓትያ ብምርኻብ ነቲ ስምምዕ ከምዝኸተሙ ዝሓበረ ጋልፍ ኒውስ፣ ቀጠርን ብዘይካ ኣብ ወትህደራዊ መዳይ ኣብ ካልእ ጉዳያት’ውን ንሱዳን ከምእትሕግዛ ኣመልኪቱ።

እንተኾነ እቲ ቀጠርን ሱዳንን ክተሓጋገዛ ምዃነን ዝተሰማማዓሉ ወትሃደራዊ መዳይ ብዝርዝር ኣይተነጸረን።

 

እቲ ስምምዕ ኣብ ቀጠር ከተማ ዶሓ ብሚኒስተራት ምክልኻል ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዝተኸተመሉ፣ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ቀጠር ሜጀር ጀነራል ጋኒም ቢን ሻሂን ኣል ጋኒም፣ ኣምባሳደር ሱዳን ኣብ ቀጠር ያሲር ኻድር ካላፍኣላህ ዝርከብዎም ሰበ ስልጣን ቀጠርን ሱዳንን’ውን ተረኺቦም ኔሮም።

ቀጠር ንሱዳን ሓያሎ ቁጠባውን ሓገዝ ከተበርክተላ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ድሕሪ’ቲ መንግስቲ ሱዳን ንዲፕሎማሰኛታት ኢራን ካብ ሃገሩ ምስጓጉ ግና ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን ንሱዳን ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ክገብራላ ምዃነን ማዕከናት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ይሕብራ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲት ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ንምዝርራብ ሎሚ ናብ ካርቱም ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይድ ምዃኑ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ንምዝርራብ ናብ ካርቱም ዘምርሕ ዘሎ፣ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ተዛታዩ ጉጅለ ድሕሪ ምስሓቡ’ዩ።

ብሬክ ማሻር ዝመርሑ ተቓወምቲ ንከተማ ባኒቱ ንምቑጽጻር ኣብ ዘካይድዎ ዘሎ ግጭት ንመስርሕ ሰላም ዝጥቕህስ’ዩ ብምባል’ዩ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ተዛታዩ ጉጅለ ከምዝሰሓቦ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብዚ ናይ ካርቱም ወግዓዊ ዑደቱ ከኣ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር መንግስቲ ሱዳን ኣብቲ ተኣፋፊ ዘሎ መስርሕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ከበርክቶ ዝኽእል እጃም ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ክዛታዩ ምዃኑ ይጠቐስ።
===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0