ቀጠራውያን ኣውፈርቲ ናብ ወደብ ጅቡቲ ከቋምቱ ካብ ፕረዚደንት ጅቡቲ ጻውዒት ይቐርበሎም

ቀጠራውያን ኣውፈርቲ ናብ ወደብ ጅቡቲ ከቋምቱ ካብ ፕረዚደንት ጅቡቲ ጻውዒት ይቐርበሎም

Radio Erena: 04 March 2016

Dj Inves

ቀጠራውያን ኣውፈርቲ ናብ ወደብ ጅቡቲ ከቋምቱ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ጉለ ጸዊዑ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብ28ን ከምኡ ድማ 29 ለካቲት ኣብ ቀጠር ድሕሪ ዘካየዶ ወግዓዊ ምብጻሕ፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ኣምኪር ቀጠርን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ዘካየዶ ርክብ፣ ምስ ቀጠራውያን ሰብ ርእሰ ማል’ውን ኣብ ጅቡቲ ክህሉ ዝኽእል ዕድላት ወፍሪ ብምትካር ከምዝዘተየ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ጅቡቲ ብዘይካ’ቲ ልዕሊ 80 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ንዘለዋ ኢትዮጵያ እትህቦ ዘላ ናይ ወደብ ኣገልግሎት፣ ብድምር ኣስታት 400 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ንዘለወን 18 ሃገራት ኣፍሪቃውን፣ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ትህብ ከምዘላ ፕረዚደንት እስማዒል ጉለ ኣብቲ ምስ ቀጠራውያን ሰብ ርእሰ ማል ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ።

 

ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ዘሰላስልኦ ዘለዋ ምህናጽ መንገዲ ባቡር፣ ምስፋሕ ሓይሊ ኢሌክትሪክ፣ ጸዓትን ካልእን ልምዓታዊ መደባትን፣ ወደብ ጅቡቲ ዘለዎ ተራ ቀሊል ከምዘይኮነ ይፍለጥ።

ቀጠራውያን ሰብ ርእሰ ማል’ውን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብ ወደባትን ካልእን ኣገልግሎታን ጅቡቲ ወፍሪ ከካይዱ’ዩ ካብ ፕረዚደንት እሳማዒል ዑመር ጉለ ዕድመ ቀሪብሎም ዘሎ።

ጅቡቲ ብዘይካ’ቲ ኣብ ንጥፉፍ ኣገልግሎት ዘሎ ወደባ፣ ተወሰኽቲ ኣርባዕተ ወደባት ንምህናጽ መደብ ከምዘለዋ ይግለጽ።

ክልተ ካብዚ ድሮ መስርሕ ህንጸቱ ጀሚሩ ምህላውን፣ ኣውራ ጠመትኡ ድማ ናብታ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ክሊ ማያት ጅቡቲ ተመርኵሳ ዘላ ኢትዮጵያ ምዃኑን ይንገር።

ናይ ወደብ ኣገልግሎታ ምሉእ ብምሉእ ካብ ዓሰብ ዝነበረ ኢትዮጵያ ድሕሪ’ቲ ናይ 1998 ኵናት ምስ ኤርትራ፣ ጠመትኣ ናብ ጅቡቲ ጌራ ኣላ።

ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ካብ እትህቦ ናይ ወደብ ኣገልግክሎት ጥራይ ዓመታዊ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምእትረክብ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0