መራሕቲ ጅቡትን ቀጠርን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፣ ህሉው ኩነታት  ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጸጥታ የመንን ዘትዮም

መራሕቲ ጅቡትን ቀጠርን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፣ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጸጥታ የመንን ዘትዮም

Radio Erena: 03-03-16

QatDJ

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለን ኣሚር ቀጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒን ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ጸጥታ የመንን ዘትዮም።

ፕረዚደንት ጉለ፣ ኣሚር ቀጠር ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት ካብ 28 ክሳብ 29 ለካቲት ኣብ ቀጠር ዑደት ድሕሪ ምክያድ’ዩ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ነጥታብ ዝዘተዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን ክልቲኦም መራሕቲ ብዛዕባ’ቲ ዛጊት ዝኾነ መዕለቢ ዘየረኸበ ጉዳይ ኤርትራን ጅቡትን’ውን ከምዝዘተዩ ዲፕሎማሳውያን ምንጭታት ይጠቐሱ።

 

ቅድሚ ዘተ መራሕቲ ጅቡትን ቀጠርን፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቀጠር ኣቶ ዓሊ ኢብራሂም ብ25 ለካቲት ምስ ሚኒስተር መራኸቢታት እታ ሃገር ጃሲም ሰይፍ ኣል ሱልጣኒ ብምርኻብ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕበ ከምዝዘተየ ካብ ኣዶሓ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ የረድእ።

ካብ 2008 ኣትሒዘን ኣብ ምስሕሓብ ዝርከባ ጅቡቱን ኤርትራን፣ ኣባላት’ቲ ኣንጻር ሑቲ ናይ የመን ዝቖመ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ኪዳን ሃገራት ዓረብ ‘የን።

ጅቡቲ እቲ ብመንጎኝነት ቀጠር ዝተጀመረ መስርሕ ዕርቂ ከይፍጸም፣ መንግስቲ ኤርትራ ሃለዋት 14 ምሩኻት ኵናት ጅቡቲ ምሕባር ስለዝሓንገደ’ዩ ክትብል’ያ ትገልጽ።

መንግስቲ ጅቡቲ ሒዝዎም ዘሎ 19 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ ንማሕበር ሰብ ዓለም ከፍልጥ እንከላ፣ ካብ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ግና ናይ ምክሓድ ይኹን ናይ ምእማን ግብረመልሲ ዛጊት ኣይተዋህበን።

እዚ ምስ ጅቡቲ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ጠንቕታት እገዳ ንመንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ ይፍለጥ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0