ቀዳም 6 ሓምለ ኣብ ዝጅምር፣ ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ፣ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ክሳተፍ’ዩ

Radio Erena: 05 July 2019

ቀዳም 6 ሓምለ ኣብ ዝጅምር፣ ናይ 2019 ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ፣ ኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ምስ ፈረንሳዊት ክለብ ኮፊዲስ ተሓቝፉ ክወዳደር’ዩ።

ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ጋንታታት ዓለምናን ዝኾነት ኮፊዲስ፣ ሽዱሽተ ፈረንሳውያን፣ ሓደ ስጳኛዊን ሓደ ኤርትራዊን ሓቝፋ፣ ኣብዚ ኣብ ዓለምና ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቅድድም ብሽክለታ ንምስታፍ ተዳልያ ከምዘላ ጋዜጣ ለ’ኢኩፕ ናይ ፈረንሳ ሓቢራ።

ሻምፕዮን ኤርትራ ዝኾነ ናትናኤል ብርሃነን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን፣ ድሒራ ናብ ዳይመንሽን ዳታ ምስ ዝቀየረት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ክለብ MTN–Qhubeka ተጸንቢሮም ኣብ ናይ 2016 ቅድድም ብሽክለታ ዙር ፈረንሳ ምስታፎም ኣይርሳዕን።

ናትናኤል ብርሃነ ብዘይካ’ዚ ኣብ 2017 ኣብ ጂሮ ኢጣልያን’ውን ተሳቲፉ’ዩ።

ኣብ ከም በዓል ቮልታ ስጳኛን ካልኦትን’ውን ዝተሳተፈ ናትናኤል ብርሃነ፣ ሓደ ካብቶም ብደረጃ ኤርትራን ኣህጉርን ጎሊሖም ዝርኣዩ ተቀዳደምቲ’ዩ።

ኣቐዲሙ’ውን፣ ኣብ 2013 ኣባል ፈረንሳዊት ክለብ ኤሮፕ-ካር ዝነበረ ናትናኤል ብርሃነ፣ ኣብ ጋቦን ኣብ ዝካየድ፣ ኣፍሪቃ ብዕብየቱ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ቅድድም ኣሚሳ ቦንጎ ምዕዋቱ ይዝከር።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0