ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ኣብ ሱዳን ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 06 September 2016

Yem Sud

ቀዳማይ ሚኒስተር የመን ኣሕመድ ቢን ዳገር፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሃገሩን ኣበርክቶ መንግስቲ ሱዳንን ንምዝርራብ ኣብ ካርቱም ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ኣካይዱ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሰንበት 4 መስከረም ካርቱም ኣብ ዝኣተወሉ፣ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ባክሪ ሓሰን ሳልሕ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ወግዓዊ ኣቐባብላ ጌሮምሉ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝጸንሓሉ ክልተ መዓልታት ከኣ ካብ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ ዝተላእከ ናብ ፕረዚደንት ዑመር ሓሰን ኣልብሽር ዝተላእከ ደብዳቤ ኣብጺሑ።

ሱዳን፣ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን ንምሕጋዝ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊት ናብ ዓደን ኣዋፊራ ትርከብ።

ብዘይካ’ዚ’ውን እታ ሃገር፣ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንዝቖሰሉ ኣማኢት ዜጋታት የመንን ስድራቤታቶምን ኣዕቝባ ከምዘላ ይፍለጥ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0