ኣብ ካሌ፣ ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 06 September 2016

Calias

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ወደባዊት ከተማ ካሌ፣ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት ዘቖምዎ ዘይሕጋዊ መዓስከር ክፈርስ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

እቲ ብሓርስቶት፣ መራሕቲ ዓበይቲ መካይንን ካልኦት ኣንጻር ስደተኛታት ሕሉፍ ጽልኢ ዘለዎም የመናውያን ወገናትን ኣብ ካሌ ዝተወደብ ሰለማዊ ሰልፊ ዝሓለፈ ሰሙን ንሳልስቲ ድሕሪ ምክያዱ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ’ውን ክቕጽል ምዃኑ ወደብቱ ይገልጹ።

መራሕቲ ዓብይቲ ናይ ጽዕነት መካይን’ውን፣ ተቓምኦም ኣንጻር ስደተኛታት ንምግላጽ ነቲ ምስ ብሪጣንያ ዘራኽብ ኣውራ ጎደና ካብ ትማሊ ኣትሒዞም ዓጽዮሞ ከምዝወዓሉ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

ካብ የማናዊ ሰልፊ ዝኾነ ኣመሓዳሪት ከተማ ካሌ ናታሻ ቡሸር ንተቓውሞ እቶም ሰለፈናታት ብምድጋፍ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ኣስታት 10 ሽሕ ዝኮኑ ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መንገዲ መኦኣስከር ኣቝሞም ከምዘለዉ ብምምልካት፣ መንግስቲ ንምፍራሱ ተሪር ስጉምቲ እንተዘይወሲዱ፣ ከቢድ ሳዕቤን ከምዝህልዎ ኣጠንቒቓ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ በርናርድ ካሳኖቭ በንጻሩ፣ ኣማሓዳሪት ከተማ ካሌ ዝሃበቶ ቁጽሪ ዝተጋነነ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ኣብ ካሌ ንዝርከቡ 6900 ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ንምግዓዞም ተደጋጋሚ ጻዕርታት የካይድ ምህላዉ ሓቢሩ።

Calais2

ሓያሎ ፖለቲከኛታት ፈረንሳ ከኣ፣ ኣብ ካሌ ዘሎ ምትእክኻብ ስደተኛታት ጠንቑ ብሪጣንያ ስለዝኾነት፣ ፈረንሳ ነቲ ምስታ ሃገር ዝኸተመቶ ውዕል ብምፍራስ፣ ንካሌ ክፉት ክትገድፎ’ዮም ዝጽዎዑ።

ኣብ ካሌ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝሓለኑ መብዛሕቶም ዜጋታት ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከብዎም ኣስታት 6900 ስደተኛታት ግዝያዊ ቴንዳታት ብምዝርጋሕ ተኣኻኺቦም ከምዘለዉ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ፈረንሳ የመልክት።

============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0