ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፣ ንዝካየድ ዘሎ ኵናት ብኣካል ንምምራሕ ናብ ቅድመ ግንባር ከምዝኸደ ተገሊጹ

Radio Erena: 24 November 2021

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንዝካየድ ዘሎ ኵናት ብኣካል ንምምራሕን መስዋእቲ ንምኽፋልን፣ ናብ ቅድመ ግንባር ከምዝኸደ ተገሊጹ።

ንሱ ቅድሚ ናብ ግንባር ምኻዱ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ንዘሎ ፈታኒን ሓደገኛን ኩነታት ንምድሓና፣ መስዋእቲ ምኽፋል ናብ ዝሓትት ዓውደ ኵናት ብምውፋር፣ ነቲ ውግእ ብኣካል ክመርሖ ከምዝወሰነ ገሊጹ።

ሓያሎ ሰበ ስልጣን ናይቲ ብሰልፊ ብልጽግና ዝምራሕ መንግስትን ሓለፍቲ ክልላትን ኣሰር ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብምስዓብ፣ ናብ ቅድመ ግንባር ንምስላፍ ከምዝተበገሱ ይገልጹ ኣለዉ።

ናይ ደርግ ወትሃደራትን ኣዘዝቲን ዝነበሩ ‘ውን ናብ ግንባራት ንምውፋር ድሉዋት ከምዘለዉ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

ኣብይ ኣሕመድን ሰበ ስልጣናቱን፣ ብኣካል ናብ ቅድመ ግንባር ክንወፍር ኢና እናበሉ ብሜድያታት ዝገልጹ ዘለዉ ሓይልታት ትግራይ፣ ወትሃደራዊ ግስጋሴታቶም ናህሪ ወሲኹ ንደብረ ሲና ብምቁጽጻር ናብ ከባቢ ደብረብርሃን ይምርሹ ከምዘለዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣስታት 130 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ደብረብርሃን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ሓደጋ ወዲቓ፣ ነበርታ ተጨናኒቖም ከምዘለዉ ማሕበራዊ ሜድያታት ካብ ኣዲስ ኣበባ ይጠቕሳ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0