ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 08 June 2017

Israel Ethio

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ እስራኤል ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሰሉስ 6 ሰነ ናብ እስራኤል ኣብ ዝኣተወሉ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ቢንያሚን ናታንያሁ ድሙቕ ናይ ክብሪ ኣቀባብላ ከምዝገበረሉ ማዕከናት ዜና ካብ እስራኤል ሓቢረን።

ኣብቲ ርክብ ክልቲኦም መራሕቲ ብዘይካ’ቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘሎ ርክባት ምግምጋምን ዝምድንአን ብዝያዳ ንምድልዳል ዘለወን መደባትን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ግብጺን ከምኡ ድማ ሃገራት ዓረብ ብጉዳይ የመን ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝገብርኦ ዘለዋ ወትሃደራዊ ምንቅስቓሳት ብዝምልከት’ውን ከምዝዘተዩ’ዩ ዝግለጽ።

 ብዘይካ’ዚ’ውን እስራኤል፣ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ 10ታት ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ዝኾኑ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስሉ ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ’ውን ከምዝተዘራረበ ይጥቀስ።

ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብዚ ናይ እስራኤል ዑደቱ ብዘይካቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ናታንያሁ ዘካየዶ ሰፊሕ ምይይጥ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ወትሃደራዊ፣ ሕርሻዊን ልምዓታዊን ምትሕግጋዛት ብዝምልከት’ውን ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ተራኺቡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0