መበል 35 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክዝቲ’ዩ

መበል 35 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክዝቲ’ዩ

Radio Erena: 08 June 2017

HRC 35

ሰሉስ 6 ሰነ ፈሊሙ ክሳብ 23 ሰነ ዝካየድ ዘሎ ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክዝቲ ምዃኑ ካብ ጄኔቫ ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ባይቶ፣ ኣብ 14 ሰነ ንእዋናዊ ጸብጻብ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሸይላ ኪታሩር ድሕሪ ምቕራብ፣ ኣብ 15 ሰነ ከኣ ጉዳይ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኣብቲ ባይቶ ካብ ዝቐረበሉ ዓመታት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ እንታይ ምዕባለታት ከምዘርኣየ ክዝትየሉ’ዩ።

 ኣቐዲሙ ዝቐረበ ጸብጻባትን ዘተን፣ መንግስቲ ኤርትራ ብግሁድ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታቱ ይግህስ ከምዘሎ ምድምዳሙ ዝዝከር’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን እቲ መንግስቲ፣ ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኽሰሱ ንዝብል እማመታት፣ ብዙሕ ክትዓት ብምልዓል ንተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዝተሰጋገረ ኣይርሳዕን።

ኣብ ኤርትራ፣ ብዘይ ወግዓዊ ክስን ሕጋዊ መስርሕን ዜጋታት ንሓያሎ ዓመታት ከምዝእሰሩ፣ ምስ ስድራቤታቶም ከይተራኸቡ ሃለዋቶም ዝጠፍአ እሱራት ከምዘለዉ፣ መሰል ሃይማኖታትን ናይ ውልቂ እምነት ዜጋታትን ከምዘይክበር፣ ዜጋታት ሓሳባቶም ብናጻ ክገልጹ ከምዘይክእሉ፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ናጻ ናይ ጉልበት ምዝመዛ ከምዝካየድን ካልእን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክፍጸም ልሙድ ተርእዮ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0