ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ: ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ይፍጽም

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ: ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 08 July 2018

abiy and iseyasብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብጻሕ ይፍጽም ኣሎ።

እቲ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ፣ ሎሚ ንግሆ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን መራሕቲ ሃይማኖትን ተረኺቦም።

ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ብክልቲአን ሃገራት ብወግዒ’ኳ ከይተሓበረ እንተጸንሐ፣ መንግስታዊ ምምሕዳራትን ትካላትን መንግስቲ ኤርትራ ኣባላተን ጋሻ ንምቕባል ሰምበት ሰዓት ሸውዓተ ንግሆ ካብ ገዛውቶም ወጺኦም ኣብ ጎደናታት ክውሕዙ መተሓሳሰቢ ምዝርገሐን ዝፍለጥ’ዩ።

 

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0