ደቡብ ሱዳን፣ ሬክ ማቻር፣ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ናብ ስልጣኑ ክምለስ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

ደቡብ ሱዳን፣ ሬክ ማቻር፣ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ናብ ስልጣኑ ክምለስ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

Radio Erena: 09 July 2018

Riek Machar

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲትን ተቓዋሚኡ ሬክ ማቻርን ብቀዳም 7 ሓምለ ኣብ ኡጋንዳ ብዝኸተምዎ ስምምዕ መሰረት፣ ሓድሽ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ክቐውም ምዃኑ ተገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ሬክ ማቻር ናብ ዝነበሮ ስልጣን ተመሊሱ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ከምዝኸውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣል ዲርዲሪ ኣሕመድ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣረጋጊጹ።

እቲ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዝግለጽ ዘሎ፣ ክልቲኦም ወገናት፣ ኣብ 27 ሰነ ኣብ ካርቱም ድሕሪ ዝኸተምዎ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ፣ ሰዓታት ከይጸንሐ ከምዝተጣሕሰ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን’ዩ።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ተቓዋሚኡ ሬክ ማቻርን ኣብ 2015’ውን ተመሳሳሊ ስምምዕ ከቲሞም እኳ እንተነበሩ፣ ነዊሕ ከይቀጸለ’ዩ ተጣሒሱ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ከተማ ካምፓላ ተበጺሑ ዘሎ ሓድሽ ስምምዕ፣ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ሚያርዲት፣ ካብ ኩሎም ተቓወምቲ ወገናት ዝተወከሉን ሓንቲ ጓለነስተይቲ እትርከቦምን ኣርባዕተ ምክትል ፕረዚደንት ክህልውዎ’ዮም።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0