ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ የካይድ

Radio Erena: 22 November 2016

Hailat in Saudi

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ማዕካናት ዜና ካብ ሪያድ ሓቢረን።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ሓያሎ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱ፣ ብሰንበት 20 ሕዳር ኣብ ሪያድ ወትሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ሳልማን ኣብ ዝኣተወሉ፣ ሓያሎ ሰበ ስልጣን እቲ ንግስነት ተቐቢሎሞ።

ኣቶ ሃይለማርያም፣ ምስ ንጉስ ሳልማንን ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ናይፍ ዓብደልዓዚንን ካልኦት ላዕለዎት ወትሃደራውያንን ሲቪላውያንን ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ከምዝተዘራረበ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዕላማ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብንጹር እኳ እንተዘይተገልጸ፣ ስዑዲ ዓረብ ብጉዳይ የመን ምስ ኤርትራ እትገብሮ ዘላ ወትሃደራዊ ምድግጋፍ ሓደ ካብ ዝተላዕለ ኣርእስታት ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ስዑዲን ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብጉዳይ የመን ምስ ኤርትራ ኣብ ዝገብርኦ ዘለዋ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘይምርግጋእ ከየመጽእ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስግኣቱ ብወግዒ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣስታት 200 ሚልዮን ዶላር ዝግመት 300 ናይ ወፍሪ ፕሮጀክታት ክህልዋ እንከሎ፣ ኣብ ኤርትራ ግና ብዘይካ’ቲ ብጉዳይ የመን ተጀሚሩ ዘሎ ስልታዊ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝኾነ ወፍሪ ከምዘይብላ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት ዘካይድ ዘሎ፣ ኣብ መንጎ ‘ታ ንምልዕዓል ኦሮሞ እትድግፍ ኣላ እናበላ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውቅሳ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ዝጸንሐ ጥቡቕ ዝምድና፣ ብጉዳይ ሶርያ እናሓርፈፈ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብጉዳይ ሶርያን ምትእትታው ሩስያን ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ዘይምቕዳው ድሕሪ ምኽሳቱ፣ ስዑዲ ዓረብ ናብ ግብጺ እትልእኾ ዝነበረት ነዳዲ ጠቕሊላ ደው ከምዘበለቶ ዝዝከር’ዩ።

===============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0