ኤርትራ፣ ንምትእትታው ኢራን ከምእትቃወም ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ገሊጹ

Radio Erena: 22 November 2016

Osman

ኢራን፣ ኣብ ጉዳይ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ካብ እትፍጽሞ ዘላ ምትእትታው ደው ከተብል ኤርትራ ከምዝጸወዐት ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ብምጥቃስ፣ ጋዜጣ ኣሻርቕ ኣላውሳጥ ገሊጻ።

እቲ ሚኒስተር ብተወሳኺ፣ ኤርትራ፣ ንምትእትታው ኢራን ትቃወም ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምትሕብባር ኣንጻሩ ትሰርሕ ከምዘላ ኣረጋጊጹ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን ኣንጻር’ቶም ብኢራን ከምዝድገፉ ዝንገረሎም ተቓወምቲ ሑቲ ኣብ እተካይዶ ዘላ ወፍሪ፣ ኤርትራ ከምእትድግፎን ምስ ስዑዲ ትተሓባበር ምህላዋን ዘመልከተ ሚኒስተር ዑስማን፣ ጸጥታን ርግኣትን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፍነት ናይቲ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቲ ሚኒስተር፣ ብተወሳኺ ምስ ጋዜጣ ኣሻርቕ ኣላውሳጥ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ኤርትራ፣ ዝምድና ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ንምድልዳል ትሰርሕ ከምዘላ ሓቢሩ።

ኤርትራ ኣባል ሃገራት ዓረብ ንምዃን ድልውቲ ድያ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ ድማ፣ እቲ ማሕበር ንረብሓታት ኤርትራ ዘገድስ እንተኾይኑ፣ ንምጽንባሩ መሪሕነት ኤርትራ ከምዝሓስበሉ ገሊጹ።

ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ መወዳእታ፣ ሸሞንተ ኣባላት ማሕበር ሃገራት ዓረብ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዝርከባ ብምዝኽኻር፣ ብምትእትታው ኤውሮጳን ኣመሪካን ሰልክየን ዝርከባ ኣፍሪቃን ሃገራት ዓረብን ሓድሕደን ክተሓጋገዛ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኤርትራ፣ “ናይ ዝኾነ ይኹን ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣገልጋሊትን ከዳሚትን ኣይትኸውንን’ያ ” ዝብል ዝነበረ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ካብ ቀንዲ ኣገልገልቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ የመን ኮይኑ ይርከብ።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0