ቀዳማይ ሚኒስተርን ፕረዚደንትን ሶማል ብጉዳይ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ሃገር ተሰሓሒቦም

Radio Erena: 11 April 2022

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፣ ሑሰን ሮብለ፣ ንፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ሃገር፣ ፍራንሲስኮ ማደይራ፣ ካብ ሶማል ክወጻእ ምእዛዙ፣ ዘይሕጋዊ’ውን ስልጣኑ ዘየፍቅደሉን ‘ዩ ክብል፣ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ተቓውምኡ ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ካብ ዝተመደበሉ ናይ ስልጣን ገደብ ሓሊፉ፣ ኣብ ካልእ ንጥፈታት እታ ሃገር ስለዝተዋስ፣ ኣብ 48 ሰዓታት ካብ ሶማል ክወጻእ ብ7 ሚያዝያ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ሶማል ብ31 መጋቢት ክካየድ’ዩ ዝተባህለሉ ምርጫ ዛጊት ዝኾነ ውጽኢቱ ይኹን ምዕባለታቱ ከይተሓበረ እንከሎ’ዮም እዞም ክልተ መራሕቲ ሶማል ኣብ ተወሳኺ ምስሕሓብ ተሸሚሞ ዝርከቡ።

ኣቐዲሙ፣ ብጉዳይ እቲ ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ሰራዊት ሶማልን ቅትለት ናይታ ብዛዕባኡ ዝርዝራዊ ኣፍልጦ ኔርዋ ዝተባህለትን ኣባል ስለያን ብዝተሓሓዝ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ንሓላፊ ጸጥታ እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ከምዝሰጎጎ ኣይርሳዕን።

ፕረዚደንት ፋርማጆ ብወገኑ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣኑ ዘየፍቅደሉ ስጉምቲ ወሲዱ ብምባል፣ ተመሊሱ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣን ክኣዮ ፈቲኑ።

እንተኾነ፣ ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኣልዩ ስለዘይክኣለ፣ ብዛዕባ ምሻም ሓድሽ ሓላፊ ጸጥታ ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ ተገዲዱ።

ክልቲኦም መራሕቲ ሶማል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ብጉዳይ ምብቃዕ ስልጣን ፕረዚደንት ፋርማጆን ሓድሽ ምርጫ ዝካየደሉ ግዜን ብዝምልከት ከምዝተሰሓሓቡ ኣይርሳዕን።

ምስቲ ፕረዚደንት ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ሃገርን ፖሊሲታትን ዘይቃዶ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ፣ ነቲ ካብ 2015 ኣትሒዙ ፍሉይ ልኡኽ ኣብታ ሃገር ዝነበረ በል ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሰጎጎሉ ምኽንያት ብዝርዝር ኣየነጸረን።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ 2007 ኣትሒዙ ኣብ ሶማል፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት እታ ኣህጉር ዝተዋጽአ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዋፊሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0