ቀይሕ  ባሕሪ  ዘዋስነን  ሸሞንተ  ሃገራትን  ፍልስጤምን  ኣብ ግብጺ ዋዕላ ኣካይደን

ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሸሞንተ ሃገራትን ፍልስጤምን ኣብ ግብጺ ዋዕላ ኣካይደን

Radio Erena: 13 December 2017

africa

ኣብ ክሊ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሸሞንተ ሃገራትን ርእሰ ምምሕዳር ፍልስጤምን፣ ብ11ን 12ን ታሕሳስ፣ ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ዋዕላ ኣካይደን።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብዝዘርግሖ መግለጺ መሰረት፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ የመን፣ ሶማልያ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ግብጺ፣ ዮርዳኖስን ፍልስጤምን፣ ኣብ ካይሮ ዘካየድኦ ኣኼባ፣ ኣብ ጸጥታ ፖለቲካዊ ርግኣትን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ብምትኳር ዘትየን።

ኣፈኛ እቲ ሚኒስትሪ ኣሕመድ ኣቡ ዛይድ ብተወሳኺ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ ኣብቲ ዋዕላ፣ ጉዳይ ዘይሕጋውን ስደተኛታትን ኣሰጋገርትን ከምኡ ድማ ግብረ ሽበራን ጸጥታዊ ስግኣታቱን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝብሉ ነጥብታት ተዘሪብሉ።

እቲ ዋዕላ፣ ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ሃገራት፣ ኣብ ክሊ ማያተንን ዞባዊ ክሊ እቲ ባሕርን ንዝህሉ ጉዳያት ብዕቱብ ብምክትታልን ሓበሬታ፣ ኣብ ምልውዋጥን ክተሓባበራ ለበዋ ብምትሕልላፍ ተዛዚሙ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0