ቀይሕ ባሕሪ፣ ናብ ዳህላክ ቅርበት ኣብ ዘለዋ ናይ ስዑዲ ዓረብ ደሴት ፋርሳን፣ ኣብ ናይ ጽዕነት መርከብ ባርዕ ኣጋጢሙ

Radio Erena: 13 October 2022

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ክሊ ማይ ስዑዲ ዓረብ፣ ደሴታት ፋርሳን፣ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ናይ ጽዕነት መርከብ ባርዕ ከምዘጋጠመ መርበባት ሓበሬታ ባሕርያ ኣፍሊጠን።

25 ሰራሕተኛታት ናይታ ናብ የመን፣ ወደብ ዓደን ተምርሕ ምንባራ ዝተገልጸት ኮንተይነር እተመላልስ መርከብ፣ ኣብ ከባቢኦም ብዝነበረት ካልእ መርከብ ድሒኖም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ጂዛን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክንክክን ይግበረሎም ኣሎ።

ጠንቂ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ባርዕ ይኹን እታ መርከብ ጽዒናቶ ዝነበረት ንብረት ዛጊት ኣይተሓበረን።

ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል እታ መርከብ ዝጀመረ ባርዕ፣ ናብ ካልእ ክፋላታ’ውን ልሒሙ ከቢድ ዕንወት ከምዘውረደላ’ዩ ተሓቢሩ።

እታ ኣብ ፓናማ ዝተመዝገበት፣ TSS Pearl ዝተሰምየት መርከብ፣ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመደበሩ ኩባንያ ራፊዲኣን እትውነን ኮይና፣ ብታሃማ ሺፒንግ ‘ያ ትመሓደር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0