ቀቢላዊ ግጭት ሱዳን ናብ ካልእ ከባቢታት ይልሕም

Radio Erena: 24 July 2022

ደሞክራስያዊ ምስግጋር ስልጣን ንምግባር ኣብ እትቃለስ ዘላ ሱዳን፤ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ዝውላዕ ዘሎ ግጭት፤ ነታ ሃገር ሓድሽ ወጥሪ ፈጢሩላ ምህላዉ ካብታ ሃገር ዝመሓላለፍ ዘሎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ኣብ መንጎ ቀቢላታት ሃውሳን በርቲን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተወለዐ ግጭት፤ ናብ ካልኦት ግዝኣታት እታ ሃገር የስፋሕፍሕ ምህላዉ፤ ካብ ከተማ ካርቱም ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት እቲ ግጭት፤ ናብ ኣል ሩሳዪሪስ፤ ቀይሳን ወድ ኣል ማሂን ዝተባህለ ከባቢታት ልሒሙ ኣሎ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ሌተናል ጀነራል መሓመድ ዑስማን ኣል ሑሴን፤ ናብቲ ግጭት ተፈጢሩሉ ዘሎ ከባቢታት፤ ሰራዊት ንሓለዋ ተዋፊሩ ምህላዉን፤ እቲ ግጭት ኣብዚ እዋን’ዚ ብተዛማዲ ሃዲኡ ከምዘሎን ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ኣማኢት ሰባት ተቐቲሎምና ዝብሉ ተወላዶ ቀቢላ ሃውሳ፤ ኣብ ግዝኣት ብሉ ናይል ሰላማዊ ሰልፊ ከካዪዱ ጀሚሮም ኣለዉ።

ብሓይሊ ብረት ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ወተሃደራዊ ጉጅለ ንምቅዋም ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታትን፤ ዘይቅርዑይ ምሕደራን፤ ንዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ሰማይ ከምዝዓርግ ብምግባሩ፤ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፤ ኣብ ድርኩኺት ጥሜት ይርከቡ ምህላዎም ውድብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

እዚ ሓድሽ ዝጎሃሃር ዘሎ ቀቢላዊ ግጭት ናብ መላእ እታ ሃገር እንተልሒሙ፤ድሮ ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሱዳን፤ ክትወጻሉ ናብ ዘይትኽእል ዓዘቕቲ ከይትሽመም፤ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት የተሓሳስቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0