ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ዘድልዮ ብዝሒ ህዝቢ 22 ሚልዮን በጺሑ

Radio Erena: 22 August 2022

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ፣ ህጹጽ ናይ መግቢ ረዲኤት ዘድልዮ ብዝሒ ህዝቢ 22 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ውድብ መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ብ19 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ኣብ መጀመርያ ናይዚ ዓመት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ኬንያን፣ ህጹጽ ረዲኤት ዘድልዮ ብዝሒ ህዝቢ 13 ሚልዮን ምንባሩ ብምጥቃስ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብተወሳኺ 9 ሚልዮን ምዕራጉ ኣሚቱ።

ብፍላይ ኣብ ሶማል፣ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ወይ እቲ ኣስታት 7 ሚልዮን ሓደጋ ጥሜት ኣንጸላልይዎ ከምዝርከብ ዘመልከተ ውድብ መግቢ ዓለም፣ እቶም ኣስታት 213 ሽሕ ንዓጸቦ ዝተቓልዑ ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን’ውን ተመሳሳሊ ስግኣት ‘ዩ ዘሎ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ኣብዘን ሃገራት፣ ብሰንኪ ዓጸቦን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ኩነታትን ኣሽሓት ሰባትን ጥሪቶምን ሞይቶም’ዮም።

ተወሳኺ ሞት ከይስዕብ፣ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ህጹጽ ረዲኤት ንምቕራብ፣ ናይ ልዕሊ 418 ሚልዮን ዶላር ምወላ ከምዘድሊ ውድብ መግቢ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዘይካ’ቲ ባህርያዊ ደርቂ ዝፈጠሮ ሓደጋ ጥሜት፣ ኵናት ብወገኑ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0