ኤርትራ፣ ንዓመታት ልሙድ ኮይኑ ዘሎ ጸልማትን ግፋን ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: 22 August 2022

ኣብ ኤርትራ፣ ንዝሓለፈ ኣስታት 20 ዓመታት ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ ዘሎ ጸልማትን ግፋን ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ይቕጽል ኣሎ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታትን ገጠራትን መጠነ ሰፊሕ ግፋ ክካየድ እንከሎ፣ ኣስመራ ኣብ እትርከቦ ከተማታት ድማ ንዝበዝሐ ሰዓታት ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ ተሓሪምዎ፣ ኣብ ጸላምት ይርከብ።

ኣብ ኤርትራ ምስ ዘሎ ራዕዲን ሕሰምን፣ ግፋን ጸልማትን ተደሚርዎ፣ ንሓያሎ ዜጋታት መዓልታዊ መነባብሮ ዘይጽወር ኮይንዎም ምህላዉ፣ ኣብዚ ቀረባ ካብ ናይ ኤርትራ መገሻ ዝተመልሱ ወገናት ንራድዮ ኤረና ኣመልኪቶም።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ብሰንኪ’ቲ ንሓያሎ ሰዓታት ዝቕጽል ዘሎ ምቑራጽ ኤሌክትሪክ፣ መስመራት ቴሌፎን፣ ብፍላይ ሞባይል፣ ኣይኮነን ዶ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝድውሉ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዝርከቡ ዜጋታት’ውን ብስሩዕ ከራኽቦም ከምዘይክኣል እቶም ዜጋታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ንሳቶም፣ ብቴሌቪዥን ኤርትራ ዝቐረብ ይኹን ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፣ ኤርትራ ብምዕባለ ትሕምበብ ኣላ እናበሉ፣ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝልጥፍዎ ኣሳእል፣ ምስቲ ናብታ ሃገር ገይሽካ እትረኽቦ ሓቕታት ናይ ሰማይን ምድሪን ፍልልይ ዘለዎ ምዃኑ’ዮም ኣገንዚቦም።

ኤርትር ቅድሚ 20 ዓመታት ምስ ዝነበራ ኩነታት ብምንጽጻር፣ ብዝበኣሰ ናብ ድሕሪት ተመሊሳ ምህላዋ ድማ ኣብ መወዳእታ ናይ ዓይኒ ምስክርነቶም ሂቦም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0