ሽዱሽተ ኤርትራውያን ብምጭዋይ ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ 14 ዓመታት ክእሰር ኣኽባር ሕጊ ሓቲቱ

Radio Erena: 24 April 2020

ኣብ ሱዳን፣ ሽዱሽተ ኤርትራውያን ኣብ ምጭዋይ ተሓባቢሩ ዝተባህለ ኤርትራዊ፣ ብሰሉስ 21 ሚያዝያ፣ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ከተመ ዙሪክ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

እቲ ሓታቲ ዑቕባ ምዃኑ ዝተሓበረ መንእሰይ፣ ብምጭዋይ ደቂሰብ ክኽሰስ ዝኸኣለ፣ ሓንቲ ካብ ግዳያት ዝኾነት ጓለነስተይቲ፣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ዙሪክ፣ ኦርሊኮን ኣብ ዝርከብ ክፍሊ ኢምግሬሽን ምስረኣየቶ ናብ ፖሊስ ስለዝሓበረት’ዩ ክተሓዝ ክኢሉ።

ንሳ፣ ምስ ብጾታ፣ ኣብ 2015 ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምስጋራ፣ ብዕጡቓት ራሻይዳ ኣብ ዝተታሕዘትሉ፣ እቲ ክሱስ ከም ተርጓምን ተሓባባርን ምንባሩ ቃል ምስክርነታ ሂባ።

ነፍሲ ወከፈን 3 ሽሕ ዶላር ከፊለን ድሕሪ ሓያሎ ሰሙናት ቅድሚ ምውጽአን፣- ጾታዊ፣ ኣካላውን ሞራላውን ዓመጽ ከምዘውረዱለለ ጠቒሳ።

እቲ 25 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ክሱስ፣ ነታ መንእሰይ ከምዘይፈልጣን ነቲ ዝቐረበሉ ክስታት ድማ ብምሉኡ ከምዘይወዓሎን ብመንገዲ ጠበቕኡ ተኸራኺሩ።

ንሱ ንባዕሉ፣ ብመንገዲ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ካብ ክልተ ኣኮታቱ 4 ሽሕ ዶላር ከምዝተላእከሉ’ውን ኣረዲኡ።

እንተኾነ፣ ምስኣ ብሓባር ተጨውያ ዝነበረትን ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ጀርመን እትርከብን ካልእ መንእሰይ ምስክርነታ ክትህብ ኣብ ዝተሓተተሉ፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንእሰይ ተመሳሳሊ ክስታት’ያ ኣቕሪባ።

እቲ ክሱስ፣ ዝፈጸመ ገበን፣ ምጭዋይ ሰብ ዝርከቦ ከቢድ ስለዝኾነ ክሳብ 14 ዓመታት ክእሰር ኣኽባር ሕጊ ጠሊቡ።

ቤት ፍርዲ፣ ውሳኔኡ ኣብ ዝመጽእ መጋብኣያ ክህብ ትጽቢት ኣሎ።

እቲ ኤርትራዊ መንእሰያ ኣብ ስዊዘርላንድ ዘቕረብቶ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ስለዝተነጽገ፣ ኣብ ዙርክ ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መጽንሒ ከምዝቕመጥ’የን መርበባት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ኣብ ሱዳን፣ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ምጭዋይን ምስግጋርን ኤርትራውያን ስደተኛታት ክተሓባበሩ ዝጸንሑ ሓያሎ ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዑቕባ ሓቲቶም ይነብሩ ከምዘለው ይግለጽ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    መን ዩ ስሙ?
    ግልጺ ግበርዎ ሽፍንፍን የብቅዕ