ብሪጣንያ፣ “ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ብዝቕየር ዘሎ ኩነታት፣” ብምሉኦም ሰራሕተኛታት ኤምባሲኣ ስሒባ

Radio Erena: 25 April 2020

መንግስቲ ብሪጣንያ፣ “ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ብዝቕየር ዘሎ ኩነታት”፣ ካብ 18 ሚያዝያ ኣትሒዙ ንብምሉኦም ሰራሕተኛታት ኤምባሲኡ ከምዝሓበ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ፣ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬትኡ፣ ብ25 ሚያዝያ ኣብ ዘስፈሮ ሓጺር መግለጺ፣ እቲ “ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ይቕየር ኣሎ” ዝበሎ ኩነታት ኣየነጸረን።

ይኹን’ምበር ቆንስላዊ ኣገልግሎታት ምሃብ ክቕጽሎ ምዃኑ እቲ ኤምባሲ ጠቒሱ ኣሎ።

ጠንቂ ምስሓብ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ብሪጣንያ ካብ ኤርትራ፣ ብሰንኪ’ቲ ምስ ኮረና ቫይረስ ዝተተሓሓዝ ኣዋጅ ውሸባ ክኸውን ከምዝኽእል ዝተፈላለየ ግምታት ይወሃቦ እኳ እንተሎ፣ እታ ሃገር፣ ካብ ኤርትራ ብዝኸፍእ ብለበዳ ኮረና ቫይረስ ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ሰራሕተኛታት ኤምባሲኣ ከተውጽእ ኣይተራእየተን።

ኣቐዲማ’ውን ኣመሪካ፣ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ 29 ዜጋታታን ዜጋታት ካልኦት ዘይተጠቐሰት ሃገርን ብህጹጽ ከምዘውጽአት ኣቃሊሓ’ያ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ህዝቢ ብሰንኪ ውሸባ ምንቅስቓሳቱ ተደሪቱ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኣስመራ ኣብ እትርከቦ ከተማታት ብዝሒ ምንቅስቓስ ሰራዊት ይርአ ምህላዉ ምንጭታት ኤረና ኣረጋጊጾም።

ኣብ ርእሲ’ቲ ዘሎ ኩነታት ለበዳ ኮረና ቫይረስን ከቢድ መነብብሮን፣ ፖለቲካዊ ሃዋሁ  ኤርትራ ‘ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናስግኦ ብምምጽኡ፣ ህዝቢ ኣብ ኣባይቱን ቀጽርታት ኣባይቱን ብምዃን “እዝግዮ” እናበለ ክምህለል ይስማዕ ምህላዉ’ውን እቶም ምንጭታት ኣመልኪቶም።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ሚኪኤል 4 years ago

    ኣንቱም ሰባት፡
    ኣበይ ብዘላ ኤርትራ ኢኹም ትዛረቡ ዘለኹም? መስሓቓት።