ሽዱሽተ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢኦም

Radio Erena: 29 November 2019

ሽዱሽተ መራሕቲ ሃገራት በይነ-መንግስታዊ በዓል ስልጣን ንምዕባለ (ኢጋድ)፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጋቢኦም።

ኣብቲ ብዓርቢ 29 ሕዳር፣ ዝተጋብአ መበል 13 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኢጋድ፣ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፣ ቀ/ሚ ሱዳን፣ ፕረዚደንታት ጂቡቲ፣ ሶማል፣ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ክርከቡ እንከለዉ፣ ኬንያ ድማ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ’ያ ተወኪላ።

ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁን ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪን’ውን ኣብቲ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዋዕላ ተሳቲፎም።

ኤርትራ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ካብዚ ዞባዊ ውድብ ተገሊላ’ያ ትርከብ።

ጂቡቲን ሶማልን፣ መሪሕነት ዞባዊ ውድብ ብኬንያን ኢትዮጵያን ተዓብሊሉ ብዝብል ተቓውሞታት ከስምዓ ምጽንሐን ይግለጽ።

እዘን ሃገራት ተቓውሞ ዘስምዓ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበር ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፣ ንኬንያዊ ማሕቡብ ሙዓሊም ብምትካእ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ንምዃን ምድላዋት ኣዝግበረሉ ዝነበረ ግዜ’ዩ።

ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት፣ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ዞባው ውድን ኮይኑ ክቕጽል’ዩ።

እዋናዊ ኣቦ መንበር ኢጋድ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ብምዃኑ፣ ክልቲኡ ላዕለዋይ ስልጣን ኢጋድ ምሉእ ብምሉኡ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ይርከብ።

ኣብ 1986 ዝተመስረተ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፣ ቀዳሞት ኣባላቱ፣- ጅቡቲ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ኬንያ፣ ሱዳንን ኡጋንዳን ክኾና እንከለዋ፣ ኤርትራን ደቡብ ሱዳንን ድማ ድሕሪ ናጽነተን ብኡ ንብኡ’የን ተጸንቢረንኦ።

ካብ 2007 ኣትሒዛ፣ ኣባልነታ ካብቲ ዞባዊ ውድብ ዘደስከለት ኤርትራ፣ ኣብ 2011 ዳግም ተመሊሳ እኳ እንተነበረት፣ ክትቕጽል ግና ኣይከኣለትን።

ኢጋድ፣ ኣብዚ ዞባ ንዘጋጥሙ ቁጠባዊን ፖለቲካውን ብድሆታት ብምምኽኻር ንናይ ሓባር ምዕባለ ንምስራሕ ዝቖመ ዞባዊ ውድብ’ዩ።

እቲ ውድብ ካብ ዝምስረት ኣብ 33 ዓመቱ፣ ብንጥፈት ዝተዋስኣሉ ኣበርክቶ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን ንዝተራእየ ግጭት ንምፍታሕ ዝወሰዶ ተበግሶ ጥራይ’ዩ እናተባህለ’ዩ ዝንቀፍ።

ጉዳይ ደቡብ ሱዳን’ውን ኣብ መዕሊቢኡ ከብጽሕ ዘይክኣለ ኢጋድ፣ ከምቲ ዝተበገሰሉ ከምዘይሰጎመ ሓያሎ ፖለቲከኛታት እዚ ዞባ ይሰማምዕሉ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0