መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ 3 ዓመታት፣ ኣስታት 50 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ክሃንጽ ምዃኑ ይጉስጉስ

Radio Erena: 28 November 2019

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ 3 ዓመታት ኣስታት 50 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ክሃንጽ ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ብመንገዲ ኤምባሲታት፣ ካድራትን ካልኦት ልኡኻትን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ኣብ ወጻኢን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ “ወፍሪ” ዝተሰምየ ኣኼባታት፣ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ንምቕላል፣ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ኣስታት 50 ሽሕ ኣባይቲ ንምህናጽ ተበግሶ ከምዘሎ’ዩ ዝጉስጉስ።

እቲ መንግስቲ፣ ምህናጽ ኣባይቲ፣ ንልዕሊ 15 ዓመታት ክጉስጉሰሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እዚ “ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ዓመታት ክህነጽ’ዩ” ዝብሎ ዘሎ 10ታት ኣሽሓት ኣባይቲ፣ ኣብ ዞባ ማእከል ከባቢታት፣- ዓዲ ሃሎ፣ ዓዲ ጽንዓይ፣ ሰላዕ ዳዕሮ፣ ጋላ ነፍሒን ከምኡ ድማ ኣብ ባጽዕን ካልእ ከባቢታት ኤርትራን ምዃኑ ይንገር።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳ፣ ኣንጎላ፣ ኣመሪካ፣ ኤውሮጵን ሃገራት ዓረብን ንዝርከቡ ደገፍቱ፣ ኣብ ኣባይትን ካልእን ወፍሪ ከካይዱ ጽዑቕ ጎስጓስ የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ኣቐዲሙ ብስም ቦንድን ካልእን ኣባይቲ ዝዓደጉ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣባይቶም ከይተዛዘመ ልዕሊ 10 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ።

ብዘይካ’ዚ እቲ መንግስቲ፣ ንተጋደልቲ ነበር፣ በብግድምንኦምን ኣብ መንግስቲ ብዘለዎም ስልጣንን፣ ኣብ ማይሑጻን ካልእ ከባቢታትን ኣባይቲ ከርሓሎም ዝኣተዎ መብጽዓ ከተግብር ብዘይምኽኣሉ፣ ብዙሓት ተጋደልቲ ከማርሩ ይስምዑ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ፣ ኣብ ቓኘው ተዓቝቦም ንዝርከቡ ስንኵላን ኵናት ተጋደልቲ ተባሂሉ፣ ኣብ ከባቢ ማይተመናይ ዝተሃንጸ ኣባይቲ፣ ዜጋታት ኣብ ምጽንጻን፣ ንህግደፍ ዝድግፍ ፕርፖጋንዳ ኣብ ምንዛሕን ካልእ ስውር ተልእኾታትን ንዝተዋፈሩ ንእሙናት ኣገልገልቱን ከምዝዓደሎም ይፍለጥ።

ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ ሓደ ካብ ከበድቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ብድሆታት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Tirki mirki! The first & foremost the bloody dictator should free individual money, free construction componies and cinsulting firms to operate freely. The dictator used to say “if you fool me once shame on you, if you fool me twice shame on me”. Hence, they have been fooling nd cheating people so many times. Hope no one will be fooled this time!!