ሽወደን ኣብ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ

ሽወደን ኣብ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቓ

Radio Erena: 18 May 2016

Migration

ፓርላማ ሽወደን፣ ጉዳዮም ብክፍሊ ኢምግሬሽን ስለዝተነጽገ ካብታ ሃገር ክወጹ ትእዛዝ ዝተዋህቦም ሓተቲ ዑቕባ፣ ናይ መጽለሊን ካልእ ንመዓልታዊ መግብን ዘድሊ ማሕበራዊ ሓገዝ ንኸይግበረሎም ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ ኣጽዲቑ።

ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ’ሞ፣ ካብ ሽወደን ክጥረዙ ዝተወሰነሎም ሓተቲ ዑቕባ፣ መሰረታዊ ሓገዛት ከይግበረሎምን ጥርዓን ድማ ከየቕርቡን ዝኽልክል ሓድሽ ሕጊ፣ ፓርላማ’ታ ሃገር ኣብ ሚያዝያ 2016፣ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ካብ ዝወሰኖም ሓያሎ ነጥብታት ሓደ ኮይኑ፣ ካብ 1 ሰነ 2016 ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ክውዕል’ዩ።

በዚ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ ሕጊ ኣስታት 4500 ሓተቲ ዑቕባ ክጽለዉ’ዮም።

 

ፓርላማ ሽወደን፣ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ዘሕለፎ ካልእ ውሳኔታት’ውን ፣ ኣብ ጉዳይ ምትእኽኻብ ስድራቤታት ዘተኮረ ኮይኑ፣ ስደተኛታት ስድራቤታቶም ናብ ሽወደን ከምጽኡ ንኽፍቐደሎም ስራሕን መነባብሮን ከምዘጣጥሑ ዘረጋግጽ ሰነዳት ከቕርቡ ክግደዱ’ዮም።

እዚ ኣብ ጉዳይ ምትእክኻብ ስድራቤታት ዘተኮረ ሓድሽ ውሳኔ ካብ 20 ሓምለ ኣትሒዙ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኮይኑ፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከኣ ደጊሙ ክጽናዕ ምዃኑ መግለጺ ክፍሊ ኢምግሬሽን እታ ሽወደን የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሽወደን ልዕሊ 160 ሽሕ ስደተኛታት ዑቕባ ከምዝሓተቱ እቲ ክፍሊ ይሕብር።

ብብዝሒ ክርእ እንከሎ ከኣ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ፣ ንዜጋታት ሶርያ፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሶማልያ፣ ዒራቕን ኢራንን ተኸቲሉ ኣብ ሳድሻይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0