ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ነቲ ብህግደፍ እናተወደብ ዝካየድ ዘሎ ጽምብላት መዓልቲ ናጽነት ይቓወሙ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ነቲ ብህግደፍ እናተወደብ ዝካየድ ዘሎ ጽምብላት መዓልቲ ናጽነት ይቓወሙ

Radio Erena: 17 May 2016

25 years

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ነቲ ብኣባላት ህግደፍ እናተወደብ ዝካየድ ዘሎ ጽምብላት መዓልቲ ናጽነት ንምቅዋም ሰለማዊ ሰልፍታት የካይዱ ኣለው።

ዛጊት በጺሑና ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት ብዘይካ’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ እስራኤል ዝተኻየደ ጎነጽ ዝተሓወሶ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ነርወይን ጀርመንን ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ’ውን፣ ነቲ ብህግደፍ ዝተኻየድ ጽምብላት ዝቓወም ሰልፍታት ወዲቦም።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን’ውን ተመሳሳሊ ሰለማዊ ሰልፍታት ክቕጽል ከምዝኽእል ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ወገናት የረድኡ።

 

ዕላማ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ሰልማዊ ሰልፍታት፣ ህዝቢ ኤርትራ ሓርነቱ ተመንዚዑ ኣብ ምልኪን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን እናነበረ እንከሎ፣ ህግደፍን ደገፍቱን ከኣ ንመዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፣ ብጓይላን ሆይሆይታን ጥራይ ከምእትሓልፍ ብምግባር ንፕሮፖጋንዳ ይጥቐሙላ ብምህላዎም ምዃኑ ወደብቲ’ቲ ሰለማዊ ሰልፍታት የረድኡ።

ኤርትራ 25 ዓመት ናጽነት እትጽንብለሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዋሕዚ ናብ ስደትን ካብ ዝልለያ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ትርከብ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0