ሽወደን፣ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወጽእ ኣዚዛ

ሽወደን፣ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ክወጽእ ኣዚዛ

Radio Erena: 05 September, 2014

Sweden FA

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ቀዳማይ ጸሓፊ ቆንስል መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ ከምዝኣዘዞ ማዕከናት ዜና ሽወደን ገሊጸን።

እቲ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ካብ ሽወደን ብውሽጢ ክልተ መዓልቲ ክወጽእ ዝተገብረሉ ምኽንያት ምስቲ ዘይሕጋዊ ክፍሊት ክልተ ሚእታዊት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ዛጊት ንጹርን ዝርዝርን ሓበሬታ ግና ኣይተረኽበን።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፣ ሻርሎታ ኦዛኪ ማስያስ እቲ ኣብ ሽወደን ዝጸንሐ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውስጢ 48 ሰዓታት ክወጽ ከምዝተነግሮ እኳ እንተረጋገጸት፣ መንግስቲ ሽወደን ስለምንታይ ከምዝሰጎጎ ግና ተወሳኺ መብርሂ ኣይሃበትሉን።

 

ኣብ ሽወደን፣ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ስለዘየለ እቲ ዝልዓለ ዲፕሎማሰኛ፣ እዚ ሕጂ ተሰጉጉ ዘሎ ተኽለ መንግስቱ ዝተባህለ ቀዳማይ ጸሓፊ ቆንስል’ዩ።

መንግስቲ ሽወደን ነዚ ስጊምቲ ዝወስድ ዘሎ፣ ሓፈሽእዊ ምርጫ እታ ሃገር ክካየድ ሓደ ሰሙን ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ’ዩ።

ኣብታ ሃገር ኣብ 14 መስከረም ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ፣ ናይ ሽወደን ዜግነት ዝሓዙ ኤርትራውያ ደገፍቲ ህግደፍ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ተደናጋጺ መርገጺ ንዘለዎም ፖለቲከኛታት ንኽመርጹ፣ ብወከልቲ ህደግፍ ጎስጓስ ክካየደሎም ከምዝቐነየ’ውን ኣቀዲሙ ብሬድዮ ኤረና ተገሊጹ’ዩ።

ንዲፕሎማሰኛታት መንግስቲ ኤርትራ ዝሰጎጓ ሃገራት ድሕሪ ኬንያን ካናዳን፣ ሽወደን ሳልሰይቲ ኮይና ኣላ። 

===================================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0