ሽወደን፣ ኣብ ምርኢት መጻሕፍቲ ዮቱበሪ፣ ኣብ ኩነታት ፕረስ ኤርትራ ዘተኮረ ዝተፈላለየ መደባት ተኻይዱ

Radio Erena: 29 September 2019

ኣብ ሽወደን፣ ከተማ ዮቱበሪ፣ ካብ ሓሙስ 26 ክሳብ ሎሚ ሰንበት 29 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት መጻሕፍቲን ሕትመትን፣ ኣብ ኩነታት ፕረስ ኤርትራ ዘተኮረ ዝተፈላለየ መደባት ቀሪቡ።

ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ጋዜጠኛታት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ፖለቲከኛታትን ዝተፈላለዩ በጻሕቲ እቲ ምርኢትን ዝተረኽብሉ ናይ ዘተ መደባት፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ዘለዎ ጓዕጻጺ ፖሊሲ፣ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም ጋዜጠኛታት ን18 ዓመታት ብምእሳር ኣመስኪርዎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ሽወደን ኣብ ኤርትራ ናጻ ፕረስ ንምትብባዕ ዝገበሮ ዝኾነ ኣበርክቶ ከምዘየለን፣ እኳ ደኣ ብኣንጻሩ፣ ነቲ ናይ ሽወደን ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ንኽፍታሕ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ዝሕቱልን ፍረ ዘይብሉን ምዃኑ ተነቒፉ።

ኣብ ካልእ ኩርናዓት ናይቲ ንኩነታት ፕረስ ዝገልጽ መደባት፣ ብኢጣልያዊ ዢያንሉካ ኮስታንቲኒ በብእዋኑ ክቐርብ ዝጸንሐ ናይ ስኬች ስእልታት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ንምርኢት ቀሪቡ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኣብ ኤርትራ ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝነበረት ገጣሚትን ጋዜጠኛ ሬድዮ ባና ነበርን ይርግእለም ፍስሃ፣ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ንዘሎ ኣሰካኺ ኣተሓሕዛ እሱራት ብዝምልከት፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ኣብ ዝነበረ ናይ ዘተ መኣዲታት፣ ናይ ስቓይ ተሞክሮኣ ኣዘንትያ።

ዋና ኣሳናዳኢ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ኣሮን ብርሃነ ብወገኑ፣ ቅድሚ 18 ዓመታት ዝነበረ ምጉዕጻጽ ኩነትት ፕረስን ኣብ ምእሳር ዳዊት ዝርከቦም ብጾቱን ንዝነበረ ሃዋሁንብዝምልከት ተዘክሮታቱ ኣካፊሉ።

ምርኢት መጻሕፍቲ ዮቱቦሪ ዓመታዊ ዝካየድ ኮይኑ፣ ካብ ሽውደንን ካልእ ክፍሊ ዓለም ኣሽሓት በጻሕቲ ዝሳተፍዎን ዝተፈላለየ ናይ ዘተ መኣድታት ዘካይድሉን መደብ’ዩ።

ኣብዚ ዓመታዊ ዝካየድ ምርኢት መጻሕፍቲ ዮቱቦሪ፣ ንኩነታት ፕረስ ኤርትራን፣ ማእሰርቲ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕን ዝምልከት ዝተፈላለየ ንጥፈታት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0