ሽወደናዊት ኣደን ወዳን ዝቐተለ ኤርትራዊ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ

ሽወደናዊት ኣደን ወዳን ዝቐተለ ኤርትራዊ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ

Radio Erena: 24 December 2015

Ikea

ኣብ 10 ነሓሰ 2015 ንሓንቲ ሽወደናዊት ምስ ወዳ ዝቀተለ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ንሕልፍተ ክእሰር ተፈሪዱ።

እቲ ኣብርሃም ዑቕባጋብር ዝተባህለ ወዲ 36 ዓመት ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ፣ ቫስትሮስ ኣብ ዝተባህለ ከተማ፣ ኣቑሑ ገዛ ኣብ ዝሽየጠሉ ትካል IKEA ‘ዩ፣ 55 ዓመት ዝዕድሚኣ ሽወደናዊት ምስ ወዳ ብኻራ ወጊኡ ቐቲልዎም።

ብኻራ ገዛእ ርእሱ ንምቕታል’ውን ፈቲኑ ኔሩ’ዩ።

 

ይኹን’ምበር ብህይወት እንከሎ ክተሓዝ ስለዝኸኣለ፣ ሕክናዊ ተጌርሉ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ክርአ ጸኒሑ።

ቤት ፍርዲ ሽወደን ንጉዳይ እቲ ቀታሊ ብዝምልከት ትማሊ ሰሉስ 23 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ ብይን ከኣ ንሕልፈት ክእሰር ወሲኑ ኣሎ።

ኣብርሃም ዑቕባጋብር፣ ነቲ ቕትለት ክፍጽም ዝደፋፍኦ ምኽንያት ኣብ ሽወደን ዑቕባ ስለዝተነጽገ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ቤት ፍርዲ ሽወደን፣ ነቲ ብገበን ቅትለት ክልተ ንጹሃት ዜጋታት ሽወደን ዝተኸሰ ኤርትራዊ ናብ ዓዱ ንምጥራዝ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ እኳ እንተነበረ፣ ድሒሩ ኣብ ዝወጸ ሓበሬታ ግና እቲ ገበነኛ ማእሰርቱ ምስ ወድአ ናብ ዓዱ ክስጎግ ከምዝኽእል’ዩ ዝእንፍት።

ኣብ ሽወደን ንሕልፈት ዝተፈርደ ገበነኛ፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት 20 ዓመት ማእሰርቲ ክፍታሕ ከምዝኽእል’ውን ክኢላታት ሕጊ የረድኡ።
===========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0