ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2017 ብዓወት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊሌ ስሚት ተዛዚሙ

Radio Erena: 20 February 2017

Cycling Africa

ኣብ ግብጺ ክካየድ ዝቐነየ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2017 ብዓወት ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊሌ ስሚት ተዛዚሙ።

ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2017 ኮይኑ ቅድድሙ ንዝዛዘመ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዊሌ ስሚት ስዒቡ ድማ ኤርትራዊ ሜሮን ኣብርሃም፡ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ተሸላሚ ብሩር ሜዳልያ ኮይኑ።

ብዘይካ’ዚ ሜሮን ኣብርሃም ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ዕድመ ተቐዳደምቲ፣ ሻምፕዮን ተዓዋቲ ወርቂ ሜዳልያ ንምዃን በቒዑ።

ኣብዚ ካብ 14 ክሳብ 19 ለካቲት ኣብ ግብጺ፣ ሉክሰር ዝተኻየደ፣ ስሙያት ተቐዳደምቲ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዝተሳተፍዎ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2017፣ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ዝተፈላለየ ኣንጸባራቒ ዓወታት ክትሓፍስ ክኢላ።

ኣብ ናይ ጋንታ ውድድር ክሮኖሜትር ደቂኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ወርቂ ሜዳልያ ክትሽለም እንከላ፣ ብናይ ውልቒ ውድድር ክሮኖሜትር ደቂንስትዮ፣ ሞሳና ደበሳይ – ብሩር ሜዳልያ፣ ናይ ውልቂ ውድድር ክሮኖሜትር ኤሊት ደቂተባዕትዮ፣ ሜሮን ተሾመ -ወርቂ፣ ዓወት ሃብቶም ከኣ ነሓስ ኣንጠልጢሎም’ዮም።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ናይ ውልቂ ውድድር ክሮኖሜትር ትሕቲ 23 ዓመት ደቂተባዕትዮ ፡ ዓወት ሃብቶም – ብሩር ሜዳልያ፣ ኣብ ውድድር ጽርግያ ኤሊት ደቂተባዕትዮ፥ ሜሮን ኣብርሃም – ብሩር ሜዳልያ፣ ኣብ ውድድር ጽርግያ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂተባዕትዮ፥ ሜሮን ኣብርሃም – ወርቂ ሜዳልያ ብምሕፋስ፣ ኣብ 8 ውድድራት ዝተሳተፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብድምር ኣርባዕተ ወርቂ፣ ሰለስተ ብሩርን ሓደ ነሓስን ኣብ ከብሓ ከተንብር ክኢላ።

ክቡራት ተኸታተልቲ፣ ሰፊሕ ዝርዝር ናይዚ ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃን ካልእ ትሕዝቶታትን ዘጠቓለለ መደብ ስፖርት ኣብ ናይ ጽባሕ ሰሉስ ቀጥታዊ ፈነወ ሬድዮ ኤረና ተኸታተሉ።

============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0