ሶማል ዝጸንሓ ልቓሕ ተሰሪዙላ

Radio Erena: 19 February 2023

ሶማል ካብ ኣህጉራዊ ፋይናንሳዊ ማዕከን ዝጸንሓ ለቓሕ፡ ጀርመን፣ ሽወደን፣ በልጅምን ኢጣልያን ብምትሕብባር ሰሪዘናላ።

ን30 ዓመታት ብሰንኪ ልዑል መጠን ዕዳ፡ካብ ተወሳኺ ልቓሕ ተኣጊዳ ዝጸንሐት ሶማል እዚ ተጌሩላ ዘሎ ደገፍ፡ካብ ኣህጉራዊ ማዕከን ሕርሻዊ ልምዓት ተወሳኺ ልቓሕ ናይ ምርካብ ዕድል ከርሕወላ ትጽቢት ይግበር።

ን 30 ዓመታት መንግስቲ ኣልቦ ኮይና ዝጸንሐት ሶማል፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ብተዛማዲ ዝሓሸ ድልዳለ ዘለዎ መንግስቲ ክትከል ምጅማሩ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ይሰማምዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሓድሽ ፕረዚደንት ዝመረጸት እታ ሃገር፡ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምልፋን ነቲ ቀንዲ ጸገም ኮይንዋ ዝጸንሐ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ንምጥፋእ መዲባ ከም ዘላ ይግለጽ።
እንተኾነ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ እትርከብ ሶማል፡ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝን ልቓሕን እንተዘይረኺባ፣ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህዝባ ብስእነት መግቢ ክጥቃዕ ከም ዝኽእል ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይገልጹ።

ኣህጉራዊ ፋይናንሳዊ ማዕከን ድሮ ናይ 11.6 ሚልዮን ሓድሽ ልቓሕ ከጽድቐላ እንከሉ፡ሓድሽ ሕርሻዊ ልምዓት ንኸተካይድ ዝሕግዝ 50 ሚልዮን ዶላር ከስዕበላ ምዃኑ`ውን ቃል ኣትዩ።

ሶማል ብተደጋጋሚ ብደርቂ እትጥቃዕ ሃገር ኮይና፡እዚ ናይ ሕጂ ግን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝተኸስቱ ባህርያዊ ሽግራት እቲ ዝሓየለ ምዃኑ`ዩ ዝንገር።
000000000000

COMMENTS

WORDPRESS: 0