ሶማል ወረቐት መንነት ክትዕድል ክትጅምር’ያ

Radio Erena: 14 March 2023

ሶማል ድሕሪ 30 ዓመታት ንመጀመርታ ግዜ ንዜጋታታ ወረቐት መንነት ንምዕዳል ትሸባሸብ ኣላ።

እቲ ንሰብ መዚ ብቐሊሉ መንነት ዜጋታት ንምልላይን ጽፉፍ ኣገልግሎት ንምሃብን ከኽእልዩ ዝተባህለሉ መደብ ንምትግባር፡ መንግስቲ ሶማል ድሮ ምዝገባ ዜጋታት ጀሚሩ ከም ዘሎ እውን ተሓቢሩ።

ብቐዳም 11 መጋቢት ፓርላማ ናይታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብ 54 ድምጺ ዘጽደቖ ውሳነ፡ ተፈጻሚ ንክኸውን፡ ገና ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ክፍርመሉ ዘለዎ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ንግዳውን ጸጥታውን ጉዳያት ናይታ ሃገር ዓቢ ዝላ ከምጽእ ከም ዝኽእል ግን ይግለጽ ኣሎ።

ስርዓት ሰያድ ባረ ኣብ 1991 ድሕሪ ምውዳቑ ጀሚሩ፡ ሶማል ወረቐት መንነት ትዕድለሉ ዝተማእከለ ኣገባብ ኣይጸንሓን። ንልዕሊ 30 ዓመታት ብግዳማዊ ምትእትታዋትን ውሽጣዊ ግጭታትን ክትሕመስ ዝጸንሐት ሶማል፡ መንግስታውን ህዝባውን መዋቕራትን ትካላታን ዓንዩ ኣብ ዓለም መንግስቲ ኣልቦ፣ ዝወደቐት ሃገር እናተባህለት ክትጥቀስ ዝጸንሐት ኮይና፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ዝሓሸ ፖለቲካውን ጸጥታውን ሃዋህው ብምፍጣር ዳግመ ምህናጽ መንግስቲ ጀሚራ ምህላዋ ይጥቀስ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0