ሶማል፤ ኣብ ባይቶኣዊ ምርጫ ከምዝተዓወተ ክገልጽ ዝጸንሐ ሓላፊ ጸጥታ ነበር፣ ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ከምዘይተቐበሎ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 22 February 2022

ኣብ ሶማል ኣብ ዝካየደ ዘሎ ባይቶኣዊ ምርጫ ከምዝተዓወተ ክገልጽ ዝጸንሐ ፋሃድ ያሲን፣ ኮሚሽን ምርጫ’ታ ሃገር ከምዘይተቐበሎ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ስለያን ጸጥታን ዝነበረ ፋሃድ ያሲን፣ ቀንዲ የማናይ ኢድ ፕረዚደንት ፋርማጆ ኮይኑ፣ ምድንጋር ፈጺሙ ተባሂሉ ብሓያሎ ኣባላት ፓርላማ ክኽሰስ ጸኒሑ’ዩ።
ብቕትለት ናይታ ብዛዕባ’ቶም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ሶማላውያን መንእሰያት ትፈልጥ’ያ ዝተባህለት ኣባል ስለያ ነበር ዝኽሰስ ፋሃድ ያሲን፣ ሓደ ካብ ቀንዲ ምትፍናን ኣብ መንጎ ፋርማጆን ሮብለን ዝፈጠረ ጉዳይ እዩ።
ኮሚሽን ምርጫ ሶማል ብሰንኪ’ቲ ብሰንበት ኣብ ከተማ በለድወይን ዝተፈጸመ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ገለ መድመጺ ነቑጣታት ዝተኻየደ ምርጫ ክስርዞ እንከሎ፣ ናይ ፋሃድ ያሲን ግና ምስ ምድንጋር ድምጺ ብዝተኣሳሰር ምዃኑ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።
ፋሃድ ያሲን፣ ንደገፍቱ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ እቲ ምርጫ ክሳብ ዝዛዘም ኩሉ ብተዕግስቲ ክጽበይ፣ ተማሕጺኑ።
ፕረዚደንት ፋርማጆ ክሳብ ናይ ውልቁ ሓላዊ ገይሩዎ ምንባሩ ዝግለጽ’ቲ ሓላፊ ስለያን ጸጥታን ነበር፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለ ስኒት ስለዘይነበሮ፣ ምስራዝ እዚ ድምጺ፣ ኣብ መንጎ’ቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን ሶማል ሓድሽ ምትፍናን ከይፈጥር ስግኣት ኣሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0