ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን ምእሳር ፖለቲከኛታት ይቕጽል

Radio Erena: 21 February 2022

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ምእሳር ላዕለዎት ሓለፍትን ተጣበቕቲ መሰላትን ምእሳር ይቕጽሉ ከምዘለዉ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ዜና ኣመልኪቱ።

ብመሰረት’ቲ ዝወጸ ሓበሬታ፣ ብቀዳም 19 ለካቲት፣ ዑስማን ንዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራስን ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉዎ ተፈሊጡ።

ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንጋዜጠኛታት ወጻኢ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ወተሃደራዊ ልብሲ ዝተኸድኑን ኣባላት ጸጥታን ብሓባር ንዑስማን ካብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈቱ ኣሲሮም ከምዝወሰዱዎ ኣመልኪቶም።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ሳምንታት ጥራይ ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ኣርባዕተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ‘ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራሲን’ ኣሲሮም ኣለዉ። እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ሰበስልጣን ‘እምነት ብምጉዳል’ ዝብል ክሲ እዩ ተመስሪቱዎም ዘሎ።

ለተናል ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ምእሳር’ቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን ብሰራዊቱ ዘይኮነ፣ ናጻ ብዝኾነ ፍርዳዊን ሕጋዊን ትካል ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ‘ክምስረት ንዝድለ ዘሎ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር መታን ክከኣል፣ ረብሻ ዘለዓዕሉ ዘለዉ ወገናት ምቕራም ክቕጽል እዩ’ ኢሉ።

ሓይሊ ንናጽነትን ደሞክራሲን (F.C.C.) ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ፣ ምእሳርን ምዕባስን፣ ፖለቲከኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ዋላ እንተቐጸሎ፣ ኣፍ’ቲ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ዝጠልብ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን ግና ክዓብስ ኣይክእልን’ዩ፣ ብምባል ዘለዎ ተቓውሞ ገሊጹ’ሎ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0