ሶማል፣ ፕርዚደንት ፋርማጆ፣ ምርጫ ንምድንጓይ ዝገብሮ ዘሎ ፈተነታት ንምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

Radio Erena: 17 December 2020

ፕረዚደንት ሶማል፣ ምርጫ እታ ሃገር ንምድንጓይ ፈተነታት ይገብር ምህላዉ ዝቓወሙ ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ ብረቡዕ 16 ታሕሳስ ዝተኻየየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ፖሊስ ንምብታኖም እብ ዝገበርዎ ፈተነ፣ ግጭት ከምዝተወልዐ መርበባት ዜና ካብታ ከተማ ሓቢረን።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙናት ክካይድ ንዝተመደበ ምርጫ፣ ብሰንኪ ምትእትታው ኬንያ ኣመኻንዩ ከደናጉ’ዮ ይፍትን ምህላዩ’ዮም እቶም ሰልፈኛታት ዝነቕፉ።

ኬንያ ኣብ ጉዳይ ሶማል ጣልቃ ትኣቱ ከምዘላ ዝወቅስ እቲ ፕረዚደንት ብ15 ታሕስስ፣ ምስታ ሃገር ዝነበረ ዝምድና ብወግዒ ክብተኽ ከምዝወሰነ ይፍለጥ።

መንግስቲ ሶማል፣ ኬንያ፣ ንመንግስቲ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣብዚ ዝካየድ ምርጫ ከይሳተፍ ከምዝደፋፍኣቶ’ዩ ዝኸስስ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ መንግስቲ ኬንያ፣ ንፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ናብ ናይሮቢ ብምዕዳም፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ልክዕ ከም መራሒ ሃገር ጌሩ ምቕባሉ፣ ንመንግስቲ ሶማል ኣቖጢዑ’ዩ።

ፕረዚደንት ፋርማጆ፣ ብሰንኪ ምትእትታው ኬንያ ኣመኻንዩ፣ ንምርጫ ከደናጉዮ እተወሲኑ፣ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ምስ ዞባታት ዝነበሮ ሓርፋፍ ዝምድና መሊሱ ክብእስን፣ እታ ሃገር ድማ ናብ ተወሳኺ ቅልውላው ክትሽመምን ከምእትእክል ሶማላውያን ተንተንቲ የረድኡ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0