ስዑዲ ዓረብ፣ ወደብ ጀዳ፣ ነዳዲ ዝጸዓነት መርከብ መጥቃዕቲ ተኻይዱላ

Radio Erena: 16 December 2020

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ወደብ ጂዳ፣ መልህቓ ኣውሪዳ ዝነበረት ናይ ነዳዲ እትመላልስ መርከብ፣ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸማ ተገሊጹ።

ወናኒ እታ መርከብ ዝኾነ ናይ ሲንጋፖርት ኩባንያ ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እታ መርከብ ናብ ሰሉስ 15 ታሕሳስ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ነትጕ ከምዘጋጠማ’ዩ ጠቒሱ።

እንተኾነ፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ እቲ ፍጻሜ፣ ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ዝታጸወደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ’ዩ ክትብል ገሊጻቶ።

22 ሰራሕተኛታት እታ መርከብ፣ ዘሊሎም ክወጹ ክኢሎም’ዮም።

እንተኾነ፣ እታ መርከብ ብዝወረዳ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ነዳዲ ከምዘፍሰሰት ተመልኪቱ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ወደብ ጂዳ፣ ናብ ምሉእ ዓለም ነዳዲ ዝልኣኸሉ፣ ካብ ኣውራ ኣገደስቲ መሓውራት ንግዲ ስዑዲ ዓረብ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0