ሶማል፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ተሰጕጉ

ሶማል፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ተሰጕጉ

Radio Erena: 02 January 2019

UN Special envoy to Somalia

መንግስቲ ሶማል፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ንዝተመዘዘ ኒኮላስ ሃይሶም ሰጕግዎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፣ ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ነቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛት ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ ሶማል ክወጽእን ደጊሙ ናብታ ሃገር ከይምለስን ዘጠንቀቐሉ ምኽንያት፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሶማል ጣልቃ ብምእታዉ’ዩ።

ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ምስጓግ ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ሶማል ብዝምልከት ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበሉን።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሶማል፣ ብሰንኪ ምእሳር መራሒ ኣልሸባብ ነበር ሙክታር ሮቦው ናዕቢ ኣብ ልዕሊ ዘካየዱ ነበርቲ ከተማ ባይዶዋ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ 15 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ፣ ፍሉእ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ተቓውምኡ ከምዘስምዐ’ዩ ዝግለጽ።

ምክትል መራሒ ኣልሸባብ ነበር ሙክታር ሮቦው፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ፣ ናብ መንግስቲ ሶማል ተሰጋጊሩ፣ ኣብ ፖለቲካዊ ምርጫ እታ ሃገር ንምውድዳር ጎስጓስ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን’ዩ ዝሓለፈ ወርሒ ተኣሲሩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0