ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን ንእተካይዶ ዘላ ኵናት፣ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ተወላዶ ዳርፉር ተዐስክር ከምዘላ ተቓሊዑ

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን ንእተካይዶ ዘላ ኵናት፣ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ተወላዶ ዳርፉር ተዐስክር ከምዘላ ተቓሊዑ

Radio Erena: 03 January 2019

sudanese soስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን ኣብ እተካይዶ ዘላ ኵናት፣ ካብ 14 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ሱዳናውያን ተወላዶ ዳርፉር፣ ተዐስክሮም ከምዘላ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ፣ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ሕታማ ኣቃሊዓ።

እታ ሃገር፣ ንነፍሲ ወከፍ ናብ የመን ዝዕስከር ሱዳናዊ፣ ወርሓዊ ካብ 480 ክሳብ 530 ዶላር ከምእትኸፍሎ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፣ ኵናት ናይ ምእታው ዕድል ዘጋጠሞ ወትሃደር ድማ ብድምር ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ 10 ሽሕ ዶላር ከምእተዋህልለሉ ይጠቅስ።

 

ኣብ ሱዳን ብሓፈሻ፣ ኣብ ዳርፉር ብፍላይ ብሰንኪ ዘሎ ሕሱም መነባብሮ፣ እቶም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብደላሎ እናተታተሉ ናብዚ ኣሽሓት ዶላራት ዘኻዕብትሉ ሓደገኛ ኵናት የመን ይዋፈሩ ከምዘለው እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ተመልክት።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ መንግስቲ ሱዳን፣ ንስዑዲ ዓረብ ምሕጋዝ ኣስታት 2ሽሕ ወትሃደራት ናብ የመን ኣዋፊሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ካብዞም ብመንግስቲ ሱዳን ብሓገዝ ናብ የመን ዝተላእኩ ወትሃደራት’ውን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ከምዝርከብዎም እታ ጋዜጣ ትገልጽ።

ሱዳን፣ ኤርትራን ጅቡቲን፣ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ የመን ተኸሲቱ ኣብ ዘሎ ኵናት፣ ጸግዒ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብምዃን ከም ምንጪ ኣታዊ ይጥቀማሉ ከምዘለዋ ብተደጋጋሚ ክጥቀስ ጸኒሑ’ዩ።

============== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0