ሶማል፣ ኣብ ክልተ ከተማታት መጥቃዕቲ ተኻይዱ

Radio Erena: 22 June 2020

ኣብ ደቡብን ማእከልን ሶማል ኣብ ዝርከባ ክልተ ከተማታት ብዝተኻየደ መጥቃዕታት፣ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ብቀዳምን ሰንበትን፣ ኣብ ከተማታት ዋንላዋይንን ባሓዳዋይንን፣ ብርእሰ-ቅትለታዊን ነታጕ ብምጽዋድን ዝተኻየደ መጥቃዕታት፣ ንኣዘዝቲ ሰራዊትን ወትሃደራዊ ማእከላትን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ፣ ኣባላት ሰራዊትን በርጌስን ምዃኖም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን።

ናይቲ ሓያሎ ሰባት ዘቑሰለ መጥቃዕቲ፣ ብወግዒ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።

ይኹን’ምበር፣ ጥሩፍ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ፈጺምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ይወሃቦ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝካየድ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ሶማል፣ ኩሎም መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት፣ ኣብ ጸጥታን ምርጫን ዘተኮረ ሃገራዊ ዘተ ክሳተፉ ወግዓዊ ዕድመ ድሕሪ ምቕራቡ’ዩ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0