ሶማል፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን መላፍንቱ ዝነበረ ሓይሊን ብዝተኻየደ ግጭት ልዕሊ 30 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 24 October 2021

ኣብ ሶማል፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቕ ሓይሊ ኣህሉ ሱና ዋላ ጂምዓን ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 30 ሰባት ተቐቲሎም።

ኣብቲ ኣብ ዞባ ጋልምዱግ፣ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዝተኻየደ ግጭት፣ ልዕሊ 100 ሰባት’ውን ከምዝቐሰሉ፣ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል እቲ ዞባ ንማዕከናት ዜና ኣረጋጊጾም።

ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ኣህሉሱና ዋላ ጂምዓን፣ ብልፍንቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ክዋግኡ ዝጸንሑ’ዮም።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ግና፣ ኣልሸባብ ምሉእ ብምሉእ ክሰዓረሉ ዘይክኣለ ምኽንያት ሓድሕዶም ክወቓወሱን፣ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ድማ ብዘይኣፍልጦኡ ስጉምታት ከይወስድ ፈደራላዊ መንግስቲ ከጠንቕቕን ተራእዩ።

ምውጣት እዞም ክልተ ወገናት ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት፣ 10ታት ሰባት ናብ ዝቐተለ ናይ ክልተ መዓልታት ግጭት ዓሪጉ።

ምስ ምድንጓይ ምርጫን ምልኣኽ ሰራዊት ሶማል ናብ ኤርትራን ብዝምልከት፣ ኣብ ክልተ ተገማሚዑ ዝርከብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ውሽጣዊ ጉዳያቱ ከይፈተሐ፣ ምስ መላፍንቱ ዝነበረ ሓይሊ ናብ ግጭት ምእታዉ፣ ነታ ሃገር ናብ ዝበኣሰ ናይ ጸጥታ ቅልውላው ሸሚሙዋ ኣሎ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0