ሶማል፣ ኣመሓዳሪ ደቡብ ሸበሌ ብዝተኻየዶ መጥቃዕቲ ምስ ሰለስተ ርእሱ ቖሲሉ

ሶማል፣ ኣመሓዳሪ ደቡብ ሸበሌ ብዝተኻየዶ መጥቃዕቲ ምስ ሰለስተ ርእሱ ቖሲሉ

Radio Erena: 01 July 2018

 south shebele adminኣብ ሶማል፣ ኣመሓዳሪ ደቡብ ሸበሌ ብዝተኻየዶ መጥቃዕቲ ምስ ሰለስተ ርእሱ ከምዝቖሰለ ተገሊጹ።

መሓመድ ኢብራሂም ባረ፣ ካብ ሞቓድሾ ናብ ኣፍጎየ ኣብ ዝወስድ መንገዲ እንዳተጓዕዘ እንከሎ፣ ዝተጻወደ ናይ መኪና ቦምባ ብምፍንጃሩ ከምዝቖሰለ፣ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓደ ሓላዊኡ ክመውት እንከሎ፣ ንሱ ዝርከቦም ካልኦት ሰለስተ ሰበስልጣን መንግስቲ ብፎኪስ ቆሲሎም ሕክምናዊ ረዲኤት ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊጹ።

ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ኣብ ሶማል ዝነጥፍ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ወሲዱ’ሎ።

ባረ፣ ነቲ ኣልሸባብ ካብ ደቡባዊ ክፋል ሸበሌ ንምጽራግ ዝወጸ ስርሒቲ ተኸቲሉ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት’ዚ እዩ ኣመሓዳሪ ኮይኑ ተሸይሙ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0